ካብ ዜናታት ዓለም:
- ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፣ 3 ዜጋታት እታ ሃገር ብኮሮና ተለኺፎም ድሕሪ ምጽናሕ ሓውዮም ከም ዝተፋነዎ ሓቢሩ። እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቶም ሕሙማት ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ክንክን ክግበረሎም ከምዝጸንሐ እዩ ሓቢሩ።
ኣብ ኤርትራ ጠቕላላ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ 285 ክኾኑ እንከለው: ካብዚኦም 248 ሓውዮም ዝተፋነዉ እዮም። 37 ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሆስፒታላት ይእለዩ ከምዘለዎ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ይሕብር።
- መንግስቲ ሊባኖስ ድሕሪ ዝተገበረሉ ሓያል ህዝባዊ ጸቕጢ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ። ከምዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ከተማ በይሩት ሓያል ነትጒ ድሕሪ ምግጣሙ፣ ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ናይ ከቢድን ፎኪስን ሞቕሰልቲ ኮይኖም’ዮም። ብቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን ኣዲብ ዝምራሕ መንግስቲ ሊባኖስ ሎሚ ዕለት 10.08.2020 እዩ ካብ ልስጣኑ ወሪዱ።
- ክልል ትግራይ ካብ 6 ነሓሰ ዝጅምር ጎስጓስ ምርጫ ከካይድ ምዃኑ፣ ኮሚሽን ምርጫ እቲ ኽልል ሓቢሩ። ኣርባዕተ መዓልቲ ንምርጫ ክሳብ ዝተርፎ: ዝወዳደራ ፖሎቲካውያን ሰልፍታት ጎስጓስ ከካይዳ ክፍቀደለን ምዃኑ ድማ ብተወሳኺ ተፈሊጡ።