ተሓቢኡ ዝነበረ ሓሶት ካብ ተጋህደ፡ ተሰቲሩ ዝጸንሐ ሓቂ ይውጻእ

ጥንታዊት ሃገር ኣቢሲንያን (Abyssinia) ንዕኣ ተኪኣ ኣብ መፋርቕ 20 ክፍለ-ዘመን ምዝዛም ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣፍሪቃ ዝተቐልቀለት ሃገረ ኢትዮጵያን፡ መለለዪኤን ዝዀኑ ብሓባር ዝውንንኦም ረቛሒታት ኣለው። (ሀ) ኣቢሲንያ ከምኡ’ውን (ክሳብ 1974 ዓ.ም.) ሃገረ ኢትዮጵያ ብመስፍናዊ ስርዓታት ዝመሓደራ ዝነበራ፣ (ለ) ብዓብላልነት ሓደ ብሔር እናተመርሓ፡ ካልኦት ብሔራተን ንሓድሕዶም ብጽልእን ቅርሕንትን ክተፋነኑን ክጋራጨዉን ዘተባብዓ፡ (ሐ) ናይ ጐረባብቲ ሃገራት መሬት ብኲናት ብምግባት፡ ግዝኣተን ናይ ምስፍሕፋሕ ሸውሃት ዘይበትከለን ሃገራት ምዃነን ሕሉፍ ታሪኸን ዘረጋግጾም ሓቅታት እዮም። እዚ ከም ሳልሳይ ረቛሒ ዝተጠቕሰ ናይ ምስፍሕፋሕ ጥሙሕ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ናይታ “ዘመናዊት” እትበሃል ናይ ግዜና ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ስነ-ልቦና ናይ ብዙሓት ልሂቃን እታ ሃገር’ውን ዓሚቕ ሰረት ዘለዎ ባህጊ እዩ። ስለዝዀነ ከኣ፡ ኣብ 21 ክፍለ-ዘመን ምህላዋ ብዘይገድስ፣ ኢትዮጵያ ሕዱር ናይ ምስፍሕፋሕ ሕማማ ኣብ ምክንኻን ተጸሚዳ፡ ካብ ናይ ዘመናት ድሑር ኣተሓሳስባኣ ክትወጽእ ትብዓት ዝሰኣነት ሃገር እያ።

ነዚ ሓቂ’ዚ ንምርግጋጽ፣ ርሑቕ ንድሕሪት ከይተመለስና፡ ነዞም ዝሓለፉ 8 ዓመታት  ነነብሱ ከም “ሻባዓይ ንጉስ” እታ ሃገር ብዝቘጽር ህንጡይ መራሒ ክትምራሕ ንዝጸንሐት ኢትዮጵያ ምርኣይ እኹል እዩ። እቲ መራሒ ኣብ 2018 ዓ.ም. ናብ ስልጣን ኣብ ዝደየበሉ ግዜ፣ ኣብ ሃገሩ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ሓድነት፡ ሰላምን ብልጽግናን ከም ዘውሕስ ምእዋጁ ዝዝከር እዩ። ምስ ኤርትራ ዝህልዎ ርክብ ብዝምልከት’ውን፡ ዕርቂን ሰላምን ኣውሪዱ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ዝዓሰሎ ዝምድና ከምዝምስርት ኣበሲሩ ነሩ። ብምኽንያት እዞም ክልተ መብጻዓታት፡ ንሱን ሃገሩን ዝረኸብዎ ክብሪን ረብሓታትን ኣብ እዋኑ ተገሊጾምን ተሰኒዶምን ስለዝዀኑ ኣብዚ ምዝርዛሮም ኣድላይነት የብሉን። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን፣ እቲ መራሒ ምስሉይነቱ ቀንጢጡን ሓቀኛ መንነቱ ቀሊዑን፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለን ኣማእታት ኣሸሓት ዚጋታቱ ዘህለቐን ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሰሜን’ታ ሃገር ወሊዑ። ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ’ታ ገባሪት ጽቡቑን ደጋፊቱን ዝነበረት ኤርትራ ናይ ጸለመን ተጻብኦን ፕሮፓጋንዳ ብምክያድ ኣብ ምፍርራሓን ምቱኽታዃን ተዋፊሩ ይርከብ። 

ደግሲ ሕማም ምስፍሕፋሕ ኢትዮጵያ

 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፣ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኣንጻር ሰላም፡ ርግኣት፡ ልኡላውነትን ህላዌን ኤርትራ ዝቐንዐ ናይ ምስፍሕፋሕን ኲናትን ፕሮፓጋንዳ ከካይድ ዝጀመረ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ፓርላማ ሃገሩ ቀሪቡ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ኣብ ልቢ ብዙሓት ልሂቃን’ታ ሃገር ምንባሮም ዘይሰሓት’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ቃልዕ ግን ክዝረበሎም ዘይስምዑ ዝነበሩ ተኣፈፍቲ ጉዳያት ብምልዓል’ዩ ናይ ተጻብኦ ጐስጓሱ ብዕሊ ጀሚሩ። ቀንዲ መልእኽቲ መደረኡ፣ ኢትዮጵያ ናይ ገዛእ-ርእሳ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ክትውንን “ተፈጥሮኣዊ፡ ሕጋዊ፡ ታሪኻዊን ስነ-ሕዝባዊን” (demographic) መሰል ኣለዋ። ስለዝዀነ ከኣ፣ እንተ ብሰላማዊ መገዲ እንተ ብሓይሊ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ወናኒት ኣፍ-ደገ ባሕሪ ክንገብራ ኢና ዝብል እዩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ምምሕዳር ኣቢይ ኣሕመድን ፖለቲካዊ ውድቡ ብልጽግናን ሰፊሕ ናይ ፕሮፓጋንዳ ዘመተ ብምክያድ፡ ሕዝቦም ኣብቲ ናይ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ሕልሚ ክርዕምን ኣንጻር ጐረባብቱ ሃገራት ክለዓልን ጐስጒሶሞ። እንተዀነ ግን፣ ሓፋሽ ሕዝቢ ኢትዮጵያ ሽግሩ ድኽነት፡ ውግእ ሓድሕድ፡ ስእነት ፍትሕን ሰላምን ደኣ’ምበር ወደብ ከምዘይኰነ ስለዝፈልጥ ንጐስጓሶም ኣይተጸንበሮን። ብኣንጻሩ፣ ናይ ምስፍሕፋሕ ህርፋን ዘለዎም ብዙሓት ልሂቃን’ታ ሃገር ኣካል ናይቲ ዘመተ ብምዃን፡ ነቲ መንግስቲ ዘበገሶ ፕሮፓጋንዳ፡ ፈኸራን ተጻብኦን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክደፍኡሉ ጸኒሖም።
ሚኒስተራት፡ ኣምባሳደራት፡ ካልኦት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣባላት ውድብ ብልጽግና፡ ምሁራን፡ ስነ-ጥበበኛታት፡ ወዘተ… ኣብ ዘካይድዎም በዓላት፡ ጽምብላት፡ ምርኢታት፡ ኣኼባታት፡ ሰሚናራት፡ መደረታትን ቃለ-መሕትታትን ናይ ኣቢይ ኣሕመድ ጥቕስታት ብምድጋም፣ “ዓሰብ ናትና እያ፡ ብሓይሊ ከኣ ክንመልሳ ኢና” ክሳብ ምባል ዝበጽሐ ናይ መጻእናኩም-ጠሓርናኩም ፈኸራታት ከስምዑ ጸኒሖም። ነዚ ናብ ደረጃ ፖለቲካዊ ዳንኬራ ዝዓረገ ናይ ሓሶትን ፈኸራን ወፍሪ ዘወዓውዑ፡ ናብ ውሽጥን ወጻኢን ዝርከቡ ሰማዕቲ’ውን ዘጋውሑ ኣካላት ከኣ፡ መንግስቲ ብልጽግና ዝውንኖም ማዕከናት ዜናን ኣብ መርበብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝሰግሰጎም ዕሱባቱን እዮም።

 ሕመረት ናይቲ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ፓርላማ ሃገሩ (ብድሕሪኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት) ዘቕርቦ መጐት፣ ንሃገሩ ዝገዝኡ መሳፍንቲ ኣባሓጎታቱ ንዘመናት ኣብ ልሂቃን ሃገሮም ንዘስረጽዎ መስፋሕፍሒን ገባቲን ኣተሓሳስባ ዘንጸባረቕ እዩ። ንሱ ከኣ፡ ሃገርካ ዝተዓደለቶ ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ኣማዕቢልካ መነባብሮ ሕዝብኻ ኣብ ክንዲ ምምሕያሽ፡ ናይ ጐረባብትኻ መሬት ክትግብት ብምድላይ ሕዝብኻ ጐስጒስካ ኣብ ተጻብኦን ኲናትን ከምዝሽመሙ ምግባር እዩ። ነዚ ድሑር ናይ ምስፍሕፋሕ ህርፋኖም ዝበለጸ ሓደገኛ ዝገብሮ ከኣ፣ ከምኡ እንተዘይገሮም ክብሪ፡ ዕብየትን ህላዌን ሃገሮም ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ ዝመስሎም ምዃኑ እዩ። ነዚ እዮም ከኣ፡ “ዋንነት ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህላዌ ሕቶ እዩ” ብምባል ዝምጉቱ ዘለው።

ክውንነትን ሕልማዊ-ባህጊን እንክራጸሙ

 ብዙሓት ልሂቃን ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፈ ዝመጾም ናይ ኣባሓጎታቶም ሃጸያዊ ናይ ምስፍሕፋሕ ባህጊ ዝርዕሙ እዮም። ነዚ ዝወረስዎ ግዜኡ ዝሓለፎ ገባቲ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ምኽኑይ ንኸምስሉን ድጋፍ ንክረኽቡሉን ከኣ፡ ሓቂን ክውንነትን ምጥምዛዝ ከም ቀንዲ መሳርሒኦም ይጥቀሙሉ። ነዚ ኣብ ኣብዛሓ ልሂቃን ኢትዮጵያ ዝርኤ ባህሪ ዝፈጠሩ ክልተ ኩነታት ክጥቀሱ ይኽእሉ፦ 1) ነታ ዘመነ-ህላዌኣ ኣብቂዑ ዝሃጠመት ጥንታዊት ኣቢሲንያ፣ ምስታ ኣብ መጀመርያ 20 ክፍለ-ዘመን፡ ብወራርን ምስ ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ኣፍሪቃ ብዝኣተወቶ ውዕልን ግዝኣታ ኣስፋሕፊሓ ህሉው ዶባታ ዝወነነት፡ ናይ ሕጂ ኢትዮጵያ ሓደ ገሮም ናይ ምርኣይ ዝንባሌ ስለዘለዎም፣ 2) ስሱዕ ባህጊታቶም ቅቡል ንምግባር፣ ታሪኽ ኣዘንቢዖም ምቕራብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብስኑዕ ትረኻ ክትክእዎ’ውን ድሕር ዘይብሉ ምዃኖም።

በዚ ዝተባህለ ልቦናን ኣተሓሳስባን ተመሪሖም፣ ናብ ወደብ ዓሰብ ንዘነጻጸረ ናይ ይግበኣና ጐስጓሶም ምኽኑይ ንምግባር፡ ሕጋዊ ይኹን ታሪኻዊ ሰረት ዘይብሎም መግለጺታት ከውጽኡ ጸኒሖም። ሓደ ካብቲ ዘቕርብዎ መጐት፣ ልዕሊ 130 ሚልዮን ሕዝቢ ዝነብረላን ካብ ባሕሪ 60 ኪሎሜትር ጥራይ ርሒቓ እትርከብን ሃገር፡ ባዕላ እትውንኖ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ዘይብላ ኰይና ክትነብር ሕጋውን ፍትሓዊን ኣይኰነን ዝብል እዩ። እቲ ሓቂ ግን፡ ብመሬት ዝተኸበበት ሃገር፡ ምስ ጐረቤታ ሃገር ብምስምማዕ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ክትጥቀም ዘኽእላ ደኣ’ምበር፡ ብዝሒ ሕዝብን ቅርበት ባሕርን መሰረት ብምግባር ንሃገራት ፍሉይ መሰላት ዝህብ ኣሕጉራዊ ሕጊ ዘይምህላው እዩ።

 ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መደረታቱ ዘስምዖ “ኢትዮጵያ ናይ ጂኦግራፍ እስርቲ ኰይና ኣይትነብርን’ያ” ዝብል ፈኸራ፡ ልሂቃን ኢትዮጵያ’ውን ክቃበሉሉ ይስምዑ ኣለው። እቲ ብምስሉይነቱ ደኣ’ምበር ብዕምቈት ኣተሓሳስባኡ ዘይፍለጥ መራሒ ኢትዮጵያ፣ ናይ 14 ክፍለ-ዘመን ፖለቲካዊ ፈላስፋ ኢብን ኻልዱን፡ “ጂኦግራፍ መለኮታዊ ውሳኔ ወይ ጽሕፍቶ እዩ” (Geography is Destiny) ብምባል ዘስመረሉ ኣድማሳዊ ሓቂ ክስወጦ ኣይከኣለን። ስለዝዀነ ከኣ፣ ንጂኦስትራተጂካዊ ኣገዳስነትን ወሳኒ ተራን ጂኦግራፍ ከናእስ ምፍታኑ ንማንም ክገርሞ ኣይግባእን።

 መንግስቲ ኢትዮጵያን ልሂቃን ደገፍቱን፣ ሃገሮም ኣብ 1991 ዓ.ም. “ብውዲት ተጻባእቲ ሃገራት” ዝሰኣነቶ፡ ንዘመናት ዝቐጸለ ቁጽጽርን ዋንነትን ዓሰብ ናይ ዝርከቦ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ከምዝነበራ ይሙግቱ። ይኹን’ምበር፣ እዚ መጐት’ዚ መሰረት ዘይብሉ ስኑዕ ትረኻ ምዃኑ ንምርዳእ፡ ዓለም ዝፈልጦን ስኑድን ታሪኽ ምውካስ ጥራይ እኹል እዩ። ንሱ ከኣ፡ መግዛእታዊ ታሪኽ ናይቲ ቱርኪ፡ ግብጺ፡ ጣልያንን ብሪጣንያን ብተኸታተሊ ንኣርባዕተ ክፍለ-ዘመናት ዝተቘጻጸርዎ ናይ ሕጂ ገምግም ባሕሪ ኤርትራ እዩ።

ሓድጊ መሪሕነት ኣቢይ ኣሕመድ

 ገለ ተንተንቲ ጂኦፖለቲካ፡ ኣቢይ ኣሕመድ ጉዳይ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ኣልዒሉ ዝጉስጉስ ዘሎ፡ ብሓቂ ኢትዮጵያ ወደብ ናይ ምውናን ሕጋዊ መሰል ኣለዋ፡ ወናኒት ክገብራ’ውን እኽእል’የ ኢሉ ስለዝኣምን ኣይኰነን ይብሉ። ናይ ጐስጓሱ ሓቀኛ ዕላማታት ዝበልዎም ክልተ ጉዳያት ከኣ ይጠቕሱ፦

1) ኣብ ኢትዮጵያ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ወጻኢ ዕዳ፡ ዘንቈልቁል ዘሎ ቁጠባ፡ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ድኽነት፡ ዝተፈላለዩ ብሔራት ዘካይድዎም እናሓየሉ ዝኸዱ ዘለው ዕጥቃዊ ቃልስታት ምቁጽጻሮም ስለዝሰኣነ፡ ኣቓልቦ ሕዝቡን ዓለምን ንምጥምዛዝን ስልጣኑ ንምንዋሕን፣

2) ቢልዮናት ዶላራትን ምዕቡላት ኣጽዋራትን እትምጥወሉ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝሃበቶ ተልእኮ ንምፍጻም እዩ። ንሱ ከኣ፣ እታ ዓረባዊት ሃገር ኣብ ምብራቓዊ ገምግም ኣፍሪቃ ዝርከባ ወደባት ንምቁጽጻር ብዘለዋ ቁጠባዊን ጂኦፖለቲካዊን ኣጀንዳ መሰረት፡ መራሒ ኢትዮጵያ ንወደባት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ከምዝኣትዋ ክገብር ስለዝተመዘዘ እዩ።

 ሕቡእ ዕላማ ኣቢይ ኣሕመድ እዚ ይኹን’ምበር፡ ብርዱእ ምኽንያት ግን “ኣፍ-ደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ” ብዝብል ጭርሖ ዝተሽፈነ ጐስጓስ’ዩ ዘካይድ ዘሎ። ከምዚ ኰይኑ ከብቅዕ ግን፣ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ንሃገሩ ዘምጽኣላ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ክህሉ ከምዘይክእል ዝጠፍኦ ኣይመስልን። ከምኡ ዝኣመሰለ ልኡላውነት ጐረቤት ሃገር ዝደፍር ስጉምቲ ምውሳድ ዘይሕጋዊ ከምዝኸውን፡ ፈተውተይ ዝብሎም ዝተፈላለዩ መንግስታት ብተደጋጋሚ ኣፍሊጦሞ እዮም። ወሲኾም’ውን፣ ኢትዮጵያ ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ንግዳዊ ንጥፈታታ እተሳላስለሉ ምቹእ ናይ ጐረቤት ኣፍ-ደገ ባሕሪ ክትጥቀም ከምዝድግፉ’ውን ገሊጾምሉ እዮም። ካብዚ ብምብጋስ’ውን ይኸውን (ልሙድ ጐስጓሱ ኣብ ከይዲ እናሃለወ)፡ ኣቢይ ኣሕመድ ሓሓሊፉ ነቲ ካልኦት መንግስታት ዘውክኡሉ ክውንነት ዘንጸባርቑ ዘረባታት በጨቕ ከብል ዝስማዕ።

 ንኣብነት፣ ኣብ ዘመነ-ስልጣኑ ንኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍ-ደገ ባሕሪ ክገብራ እንተዘይከኣለ’ውን፡ መጻኢ ወለዶታት ቃልሱ ቀጺሎም ዕላማኡ ክውን ክገብርዎ ምዃኖም ሓሓሊፉ ክዛረብ ይስማዕ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን፣ ኢትዮጵያ ልኡላዊ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ክትውንን ይግባኣ ምባል ቅድሚ ሎሚ ዘሐፍርን ከም ነውሪ (taboo) ዝቑጸርን ዛዕባ ከምዝነበረ፣ ሕጂ ግን ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ብዝገበሮ ጻዕሪ፡ ኢትዮጵያውያንን ካልኦትን ዝዘራረቡሉን ዝምጉቱሉን ኣርእስቲ ኰይኑ ብምህላዉ ክሕበን ይስማዕ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከት ዝገድፎ ሓድጊ፡ ነቲ ተሓቢኡ ዝጸንሐ ወደብ ዓሰብ ንምግባት ዝተሰነዐ ናይ ሓሶት ትረኻ ቃልዕ ከምዝወጽእ ምግባሩ እዩ!

 ዘይተርፍ ዝመስል፡ ንኹሉ ዘርብሕ ዕምሪ ኢትዮጵያ

 ኢትዮጵያ፣ ከምቲ ፈኸራ ዘይምነዎ መራሒኣ ዝብሎ ብቑጠባን ልምዓትን ንኣፍሪቃ ኣብነት ትኸውን ሃገር ዘይኰነትስ፡ ብኹሎም መዳያት ሃለዋታን ምሕደራኣን ኣብ ሽግር እትነብር ዘላ ሃገር እያ። ልቓሕ ዘስዓቦ ሃገራዊ ዕዳኣ 51.8 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ከብቅዕ፡ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ርእሰ-ማል ዕዳኣስ ይትረፍ ወለዱ’ኳ ክትከፍል ኣይከኣለትን። ናይዚ ዓመት’ዚ ጸብጻብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ኢትዮጵያ 27 ሚልዮን ውሕስነት መግቢ ዘይብሎም ዜጋታት ክህልዉ ከለዉ፣ ካብኣቶም እቶም 7 ሚልዮን ጥሜት ዘንጸላለዎምን ህጹጽ ሓገዝ መግቢ ዝጽበዩን ምዃኖም ይፍለጥ። ባንክ ዓለም ብወገኑ፡ ኣርባዓን ሰለስተን ሚእታዊት (43%) ሕዝቢ ኢትዮጵያ መዓልታዊ እቶቱ ትሕቲ ሰለስተ ዶላር ምዃኑ ይሕብር።

 ሽግር ሕዝቢ ኢትዮጵያ ድኽነት ጥራይ ዘይኰነ፣ ስእነት ዲሞክራሲያዊ መሰላት፡ ፍትሕን ሰላምን’ውን እዩ። ዝተፈለለዩ ብሔራት’ታ ሃገር፣ ተኻታተልቲ ጨቈንቲ ገዛእቲ ስርዓታት ንኸወግዱ፡ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽሉ ዘለው ናይ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ነናቶም ዕጥቃዊ ቃልስታት ከካይዱ ጸኒሖም። ነዚ ተደሪቡ፡ ገዛእቲ ሓይልታት ኣብ መንጎ ብሔራት ብዘሳውርዎ ጽልእን ቅርሕንትን ምኽንያት ሓሓሊፉ ዝውላዕ ኲናት ሓድሕድ’ውን፡ ሓድነት’ታ ሃገር ዘዳኸመን ሽግር ሕዝባ ዘጋደደን ረቛሒ እዩ። ከም ሳዕቤን ናይቶም በብእዋኑ ክካየዱ ዝጸንሑ ግጭትን ኲናትን ከኣ፡ ሕይወት ሚልዮናት ዜጋታት ተቐዚፉ። መነባብሮ ሕዝቢ ኣብ ምምሕያሽ ክውዕሉ ዝግብኦም ዝነበረ ማእለያ ዘይብሎም ንብረትን ጸጋታትን ከኣ ዓንዮምን ባኺኖምን ተሪፎም።

 ኣብ ዞባዊ ጉዳያት’ውን እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ ሃገራት ሰላምን ምትሕብባርን ክሰፍን እትጽዕት ዘይኰነትስ፡ ናይ ምስፍሕፋሕ ህርፋና ዝደረኾ ውጥረትን ተጻብኦን እተሳሲ ሃገር እያ። ልኡላውነተን ብምንጻግ ወይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣዋሳኒ ግዝኣተን ናይ ይግብኣኒ ሕቶ ብምልዓል፡ ምስ ኩለን ጐረባብታ ሃገራት ኣብ ቀጻሊ ወጥሪን ምትፍናንን’ያ ትነብር። ከም ውጽኢቱ’ውን፡ በብእዋኑ ቅሉዕ ወራር ከተካይደለን፡ ኲናት ከተሳውረለን፡ ካብኡ ዝተረፈ ከኣ ቀጻሊ ቱኽቶኻ ከተካይደለን እያ እትርኤ።

 ብምኽንያት እዞም ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሽግራት፡ ብሕልፊ ከኣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሔራታ ብዘሎ ዘይምትእምማንን ግጭትን ተሓቚና፣ ኢትዮጵያ ናብ ምብትታን ገጻ ተምርሕ ዘላ’ያ ትመስል። እዚ ግን ሕማቕ ነገር ኣይኰነን። እታ ሃገር፣ ብሔራታ ብስኒትን ሓድነትን ተጣሚሮም ዘይኰነስ፡ ተገዲዶም እናተፋሓፍሑ ንዘመናት ክነብሩላ ዝጸንሑ ሃገር እያ። ስለዚ፣ ዘይርግእቲ ኢትዮጵያ ብናይ ብሔራታ ቃልስን ሕርያን ብኽልተ-ሰለስት ንእስ ዝበላ ዘቤታዊ ሰላመን ዝዕቅባን ንጐረባብተን ዘይጻባኣን ሃገራት እንተትትካእ፡ ጭቁን ሕዝባን ሃገራት እቲ ዞባን ተረባሕቲ ምዀኑ። ጨቈንቲ ገዛእቶም ኣብ መንጎኦም ጽልእን ኲናትን እናሳወሩሎም፡ ንዘመናት ኣብ ድኽነትን ድሕረትን ዝጸንሑ ብሔራት ኢትዮጵያ ስቓዮም መብቀዔ። እቶም ዓበይቲ ብሔራታ ነናቶም ግዝኣት ብምውናን፡ ነፍስወከፎም ናይ ገዛእ ርእሱ ዕድል ባዕሉ ክውስንን ብዝመረጾ ኣገባብ ክምዕብልን ምኸኣለ። ሃገራት ናይቲ ዞባ ከኣ፡ ካብ ናይ ዓባይ ጐረቤት ሃገር መስፋሕፍሒ ተንኰልን ጎንጽን ተጋላጊለን ዓቕመን፡ ግዜአንን ጸጋታተንን ናብ ልምዓትን ህንጸት ሃገርን ከቕንዓ ምኸኣላ።

 ኢትዮጵያ ናብ ልባ ተመሊሳ፡ ምስ ሃገራት ዞባኣ ብሰላም፡ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ምንባር ክትጅምር ብዝነበረ ተስፋ ምኽንያት ተሰቲሩ ዝጸንሐ፡ ሕጂ ግን ክወጽእ ዘለዎ ሓቂ እምበኣር እዚ እዩ።

Disclaimer

The views and opinions titled "ተሓቢኡ ዝነበረ ሓሶት ካብ ተጋህደ፡ ተሰቲሩ ዝጸንሐ ሓቂ ይውጻእ", are those of ዮሓንስ ዘርኣይ and do not necessarily reflect the official policy or position of Setit Media. ኣብዚ "ተሓቢኡ ዝነበረ ሓሶት ካብ ተጋህደ፡ ተሰቲሩ ዝጸንሐ ሓቂ ይውጻእ", ዘርእስቱ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ርእይቶን ሓሳብን ናይ ዮሓንስ ዘርኣይ እምበር መትከላትን መርገጽን ሰቲት ሚዲያ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,922FansLike
1,109FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት