ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ስምምዕ ምሕዝነት ብምጥሓስ፡ “ምርካብ ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ብልዝብ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ብሓይሊ” ዝብል ዘይምኽኑይ ኣጀንዳ ውግእ ኣልዒሉ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብቀጻልን ብጻዕቂን ተዅታዂ ተጻባኢ ዘመተ ከካይድ ጸኒሑ ኣሎ። ናይ ወራርን ዘይምርግጋእን ዕላማታት ኢትዮጵያ፡ እንተላይ ምስረታ ሓይሊ ባሕሪ ምስ ውሑስ ስትራተጂያዊ ዕምቈት ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ዘጠቓልል እዩ።
እዚን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ተግባራትን፡ ነቲ ምፍርራሕ ኮነ ሓይሊ ምጥቃም ዝኽልክል ዓንቀጽ 2(4) ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስን ልኡላውነትን ግዛኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝግህስን እዩ።
ድሕሪ ባይታን ናይ ቀረባ ምዕባለታትን ዘመተ ኣፍደገ ባሕሪ
ቀንዲ ቀንዲ ነጥብታት
• ኣብ ሓምለ 2023 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ወተሃደራውያን ሓለፍቲን ኣብ ዘካየዶ ዕጹው ኣኼባ (ጸኒሑ ናብ ህዝቢ ዝተፈነወ) ሃገሩ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ባህርያዊ እጀታ ከምዘለዋ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ህላወ ጉዳይ ስለዝኾነ ድማ፡ ነዚ ዘይምቕባል ናብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ዘምርሕ ምዃኑ ገሊጹሎም።
• ነዚ ናይ ምስፍሕፋሕ ዕላማ፡ ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ብ7 ጥቅምቲ፡ ከምኡ’ውን ላዕለዎት ኣምባሳደራት፡ ባህላዊ በዓል ኦሮሞ ‘ኢሬቻ’ “ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ከነብዕሎ ኢና” እናበሉ ከራስኑዎ እንከለዉ፡ ወተሃደራዊ ጀነራላት እውን ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝጸንበረ ካርታ ሒዞም፡ ብቃልዕ ኣብ ህዝባዊ መድረኽ ከቕርቡ ተራእዮም።
• ብ13 ጥቅምቲ 2023፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ኢትዮጵያ ናይ ጂኦግራፍ እስርቲ ኮይና ከምዘይትተርፍ፡ “ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝኾነ መገዲ” ክትረክብ ከም ዘድልያ ብወግዒ ገሊጹ።
• ብ2 ለካቲት 2026 እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንወከልቲ ህዝቢ፡ እስራኤል ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣኽራናት ጎላን ምጉባጣ ከም ኣብነት ብምቕራብ፡ ወደብ ዓሰብ ብሓይሊ ንምጉባጥ ዘሎ ድሌት ኣግሂዱዎ።
• ብ15 ለካቲት 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደሉ (ርክብ ፈጻሚ ቤት ምኽሪ) ሕግታት ዓለምን ኣህጉርን ብዝጥሓሰ መገዲ፡ ብድሕሪ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ መደረ ዘስምዓሉ ዝነበረ መድረኽ፡ ደይ መደይ ኢልካ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራን ሶማልያን እንተላይ ወደብ ዓሰብ ዘጠቓልል ካርታ ከም ዝርአ ተገይሩ።
• ብ2 መስከረም 2025 ሜጀር ጀነራል ተሾመ ገመቹ፡ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓላፊ ዝምድናታት ወጻኢ፡ “ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ይብጽሓ እዩ። ብዝኾነ ዋጋ ክንመልሶ ኢና! ዓሰብ ኣውራጃ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኢትዮጵያ እያ” ክብል ገሊጹ።
• ነቲ ጥሕሰት ኣህጉራዊ ሕጊ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ብምዕራግ፡ ብ28 ጥቅምቲ 2025፡ ቀዳማይ ሚኒስተር“ኤርትራ ናጻ ዝወጸትሉ መገዲ ዘረጋግጽ ሰነዳት ኣይረኸብናን” ኢሉ ብወግዒ ምስ ተዛረበ፡ ማዕከናት ዜና ብልጽግና፡ ዜጋታት ነቲ ኤርትራ ኣብ 1993 ዘረጋገጸቶ ልኡላውነት ከም “ታሪኻዊ ጌጋ” ክሓስቡዎን ክስረዝ ኣለዎ ንክብሉን ከጓሳጉሳ ተሰሚዐን።
• ብ3 ሕዳር 2025፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ዝነበረ፡ ጥሮተኛ ጀነራል ባጫ ደበሌ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ‘ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ንብረት እያ፣ ከምቲ ብሓይሊ ዝተወስደቶ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክትምለስ ኣለዋ’ ክብል ገሊጹ።
• ብ22 ለካቲት 2026 ኣብ መመረቕታ ፍሉያት ሓይልታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ንተልእኾ ሓይልታት ምክልኻል ናይታ ሃገር “ምዕቃብን ምርግጋጽን ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ጫፍ ሶማልያ ክሳብ ምጽዋዕ” ክብል ገሊጹዎ።
• ብ21 መስከረም 2026፡ ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ናይ ኢትዮጵያ ጠለብ ልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣህጉራዊ ጸቕጢ ክግበር ጸዊዑ።
• ብ12 ጥቅምቲ 2026፡ ለንጮ ባቲ ዝተባህለ ዳይረክተር ጀነራል ዲያስፖራ ኢትዮጵያ፡ “ኣብ ምድረበዳ ትግራይ ከቢድ ጻዕሪ ዘሕለፈ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጫማኡ ኣውጺኡ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ከይተሓጽበ ደው ዝብል ኣይኮነን” ክብል ተዛሪቡ።
• ብ11 ጥቅምቲ 2026፡ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ጀነራል ይልማ መርደሳ፡ ቀንዲ ዕላማኦም ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ብፍላይ ድማ ናይ ኤርትራ ወደብ ዓሰብ ምጉባጥ ምዃኑ ገሊጹ።
ስምምዕ ፕሪቶርያን ፖለቲካውን ጸጥታውን ብድሆታት ኢትዮጵያን
ብመርገጺ ኤርትራ እቲ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ እዩ። ኤርትራ ኣካል ናይቲ ስምምዕ ኣይነበረትን፡ ኣብ ትግባረኡ እውን ዝኾነ ግደ ኣይነበራን።
ደገፍ ናብ ኤርትራ ዒላማ ዝገበሩ ዕጡቓት ሓይልታት
መንግስቲ ኤርትራ፡ መሬት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝጻብኡ ተቓወምቲ የአንግድ ምህላዉን ቅቡል ከምዘይኮነን ክገልጽ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ መንጎ’ዞም ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ዝተዓቕቡ ተጻባእቲ፡ ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (RSADO) ዝተባህለ እንታይነቱ ብማእከል መጽናዕቲን ትንታነን ግብረ ሽበራ (TRAC) ዝተመዝገበ፡ ኣንጻር ኤርትራ ዕጥቃዊ ንጥፈታት ዘካይድ ጉጅለ ይርከቦም። ብዘይካ’ዚ ኢትዮጵያ በብዓይነቶም ጉጅለታት ሕብራዊ ሰውራ፡ ገሊኦም ብኣኽባር ሕጊ ፈደራል መንግስቲ ጀርመን ግብረሸበራውያን ዝተባህሉ ኣዕቊባ ትርከብ። ኢትዮጵያ ብዘይካ’ዚ ካልእ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ ጉጅለ ኣብ ግዝኣታ ብምዕቋብ ኩሉ ዓይነት ሎጂስቲካዊ ደገፍ ትገብረሉ ምህላዋ ኤርትራ ከተረጋግጽ ክኢላ እያ።
ምሕርፋፍ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን
ምሕሽካር ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሕቚፊ’ቲ ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ጠለብ ኢትዮጵያ ንልኡላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣናዓበየ ክመጽእ ዝጸንሐ ወጥሪ ኣእቲኻ ዝርአ እዩ። ብኣመለኻኽታ ኤርትራ፡ እቲ ጉዳይ ንቡር ክልተኣዊ ዝምድናን ርክባትን እናተዳኸመ ክመጽእ ድሕሪ ምጽናሕ ዝነተጐ እዩ።
እዚ ዝስዕብ ቅደም ተኸተል ፍጻመታት ምብራህ ኣገዳሲ እዩ፥
• ካብ ግንቦት 2026 ጀሚሩ – ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ፡ ዲፕሎማሲያዊ መስመራት ብምዕጻው፡ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ወግዓዊ ርክባትን ጽምዶን ኣቋሪጹ።
• 8 ነሓሰ 2026 – መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኡ ራሕሪሑዎ፣ ኣብኡ ተሪፎም ዝነበሩ 4 ኣባላት ዲፕሎማሲያዊ ስታፍ ኢትዮጵያ ድማ፡ ብሰላሕታ ብመገዲ ‘ታርኮ አየርወይስ’ ካብ ኤርትራ ወጺኦም። እዚ ደይመደይ ኢልካ ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ከየፍለጥካ ዝተወስደ ስጉምቲ ንውዕል ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ቪየና ዝጥሕስ እዩ።
• 1 ጥቅምቲ 2026 – መንግስቲ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ክዓጽዎ ምዃኑ ብ1 ጥቅምቲ 2026 ድሕሪ ምግላጹ፡ ንዓሰርተ ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ሃገሩ ሰጒጉ። ካብቶም ዝተሰጐጉ፡ ቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን (AU) ከምኡ’ውን ኣብ ቁጠባዊ ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃን (UNECA) ይርከቦም። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ቁጠባዊ ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃን ዝነጥፉ ካልኦት ሰለስተ ዲፕሎማሰኛታት እውን ይርከቡዎም። እዚ ተግባር’ዚ ነቲ ኣብ2000 ንሕብረት ኣፍሪቃ ዘቘመ መትከላት፣ ናይ 1965 ሓፈሻዊ ውዕል ጽላልን ሓለፋታትን ዲፕሎማሰኛታት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ናይ 2008 ስምምዕ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ብዛዕባ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ናይ 1958 ስምምዕ ምቛም ቤት ጽሕፈት፡ ቁጠባዊ ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ንኣፍሪቃ ዝግህስ እዩ።
ናይ ኢትዮጵያ ዘንቀደ ተጻብኦ ኣንጻር ኤርትራ ሓደ ንጹል ፍጻመ ኣይኮነን። ኣካል ናይቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይርምግጋእ ዝፈጥር ዘሎ ናይ ምስፍሕፋሕ ዛዕባታት ምዃኑ በዚ ዝስዕብ ክበርህ ይኽእል፥
• ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዞባ ቤንሻጉል ጉምዝ ብምስጢር ዝተደኰነ፡ መሰጋገርን መዋፈርን ኣጽዋራት፡ ድሮናትን ዕሱባትን ዝኾነ መደበር ብምኽፋት፡ ንሓይልታት ቅልጡፍ ወሃብ ደገፍ (RSF) ወተሃደራውን ሎጂስቲካውን ደገፋት እናሃበት ኣብ ሱዳን ንዝተወልዐ ኣዝዩ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ ከተጉህሮ ጸኒሓ ኣላ።
• መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምወላ ናይቶም ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ዝፈጥሩ ዘለዉ ግዳማውያን ሓይልታት ኣብ ገዚፍ ሸመተ ኣጽዋር ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።
ባይቶ ጸጥታ
ኤርትራ ብ9 ጥቅምቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ፡ ባይቶ ጸጥታ፡ ነቲ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ኣብ ሰላምን ምርግጋእን መላእ ዞባና ገዚፍ ዕንወት ከኸትል ዝኽእል ዘይምኽኑይ ኣዋጅ ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክዅንኖን ብመሰረት ምዕራፍ 7 ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ገታኢ ስጉምቲታት ክወስድን ጸዊዓ።
ኤርትራ ብተወሳኺ፡ ባይቶ ጸጥታ ኢትዮጵያ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ከተኽብርን ንናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝጻረር ዘመተን ተግባራትን ካብ ምክያድ ከም እትቚጠብ ክገብር ጸዊዓ ኣላ።
መደምደምታ
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጭብጥታት መሰረት ዝገበረ ዝኾነ ክርክር የለን። እቲ ዘየድሊ ወጥሪ ዝፈጠረ ዘይምኽኑይን እዉጅን ፖሊሲ ወራር ኢትዮጵያ ጥራይ እዩ።





