ምምሕዳር ትራምፕ ንኤርትራ ሓዊሱ ካብ 19 “ዘሻቕላ” ዝተባሃላ ሃገራት ንዝመጹ ስደተኛታት ዝተዋህበ መንበሪ ፍቓድ ”green cards” ምሉእ ብምሉእ ክግምገም ኣዚዙ።
እዚ ትእዛ ዝተዋህበ ድሕሪ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ኣመሪካ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ምስቲ ፍጻሜ ዝኾነ ምትእስሳር እኳ እንተዘይብሎም፡ ኣብ ሕ.መ.ኣዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሕጋውያን ቀወምቲ ነበርቲ በቲ ወጺኡ ዘሎ ኣዋጅ መሰረት፡ ነባርነቶም ካርዶም ከም ብሓድሽ ምርመራ ክግበረሉ ኢዩ። ክፍሊ ስደተኛታትን ዜግነትን ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ዳግመ-ምርመራ “negative, country-specific factors” ማለት ኣሉታዊ ሮቛሒ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ብዝበሎ ኣገባብ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል እኳ እንተገለጸ፡ ንኤርትራ ዝምልከት መብርሂ ግን ኣይሃበን።
እዚ ስጉምቲ ኣብ ኣመሪካ ንዝርከባ ኤርትራውያን ስድራቤታት ጭንቀት ዝፈጥር ምዃኑ ዝእመን ኮይኑ፡ ዝበዝሑ ኣብዚ እዋን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ኤርትራውያን ተሪሪ ክትትልን ምርመራን ክፍሊ ሰደታኛታትን ዜግነት ዝሓለፉ እዮም። ተጣበቕቲ ስደተኛታት እቲ ውሳነ ብፖለቲካዊ ጸቕጢ ዝድረኽ እምበር ብመርትዖ ዝድረኽ ከምዘይመስል ዘጠንቅቑ ብወገኖም።
ጠበቓታት ኢሚግሬሽን፡ ስፍሓትን መዐቀኒታትን ናይቲ ዳግመ ግምት ንጹር ከምዘይኮነን፡ እቶም በዚ ኩነታት ዝጽለው ነበርቲ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ነዚ ዝምልከት ውሳኔታት ክሳብ ዘሕልፍ፡ መምርሒ ክጽበዩ ከምዝገበሩ ይገልጹ።
ብመሰረት እዚ ወጽኡ ዘሎ ኣዋጅ መንበሪ ፍቓዶም ዳጊም ዝምርመር ዜጋታት፡ ካብ ፍጋኒስታን፡ በርማ (ሚያንማር)፡ ቻድ፡ ሪፓብሊክ ኮንጎ ፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ኤርትራ፡ ሃይቲ፡ ኢራን፡ ሊብያ፡ ሶማልያ፡ ሱዳን፡ የመን፡ ብሩንዲ፡ ኩባ፡ ላኦስ፡ ሴራሊዮን፡ ቶጎ፡ ቱርክመኒስታን ፡ ቬንዙዌላን ዝመጹ ኢዮም።

