ሃገራዊ ዜና

ኣብ ግዝኣት ሃዋይ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ተሸላሚ 25 ሽሕ ዶላር ኮይኑ

ሰንበት 8 ታሕሳስ  ኣብ ግዝኣት ሃዋይ ከተማ ሆኖሉሉ ኣብ ዝተኻየደ መበል 52 ውድድር ማራቶን ናይ’ታ ከተማ፡ ኤርትራዊ ኣትሌት ያማነ ሃይለስላሴ   መዛዘሚ መስመር ዝሰገረ ወዲ ተባዕታይ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ። እዚ ካብ ማእከል ከተማ ሆኖሉሉ ክሳብ ካፒዮላኒ ፓርክ ዝዝርጋሕ ማራቶን፡  የማነ ሃይለስላሴ ን2 ሰዓትን 11 ደቓይቕን 59 ካልኢትን ዝድነቕ ግዜ ብምምዝጋብ ንኬንያዊ ሮቤል ኬርዮ ብ17 ካልኢት ብጸቢብ በሊጽዎ።

ወዲ 26 ዓመት የማንይ ሃይለስላሴ ድሕሪ’ቲ ውድድር ዝነበሮ ፍናን ብምግላጽ፡ “ጽብቕቲ ከተማ’ያ፡ ብጣዕሚ ደስ ዝብል። እቲ ትርኢትን ውቅያኖስን ደስ ዝብሉ ሰባትን ደስ ኢሉኒ።” ብዛዕባ’ቲ ዓወት ወሲኹ፡ “በዚ ዕድል’ዚ ሕጉስ ‘የ። አመስጊን ድማ። እዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ኤርትራ ንዘለው ስድራይ ንምድጋፍ ክጥቀመሉ እየ።” ብማል ገሊጹ። የማነ ተዓዋቲ 25 ሽሕ ዶላር ገንዘባዊ ሽልማትን 15 ሽሕ ዶላር ዝግመት  ወርቂ መዳልያን ድማ ንሽልማት ተቐቢሉ።

 

S

SETIT

Setit is an independent news organization based outside Eritrea established in August 2020, with a steadfast commitment to the people and issues of Eritrea. Our team of seasoned Professionals are dedicated to providing in-depth, insightful, and impactful coverage of Eritrea and its related issues, illuminating the complex and dynamic world of Eritrea for our readers.

Join the discussion

Keep comments factual, respectful and relevant. Required fields are marked *.