ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት፣ ኣሜሪካ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ከተመሓይሽ ምውሳናን፣ ከም ቀዳማይ ስጉምቲ ከኣ ኣብ ልዕሊኣ ኣንቢራቶም ዝጸንሐት ማዕቀባት ከም እተልዕሎም ምግላጻንኡ ብናይ ዓለምና ጋዜጣታት፡ ማዕከናት ዜና፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ወዘተ… ብሰፊሑ ክንገረሉ ዝቐነየ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕባሌ እዩ። እዚ ኤርትራ ኣብ ናይ 2020-2022 ዓ.ም. ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ንዝነበራ ተሳታፍነት ኣምኽንዩ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ዘንበሮ በይነኣዊ ማዕቀብ ሳዕቤናቱ ብዙሕ እዩ ነሩ። ኤርትራ ምስ ሃገራት ዓለም ክትገብሮ እትኽእል ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ዲፕሎማሲያዊን ወተሃደራዊን ርክባት ብምግታእ ኣብ ኩለንትናዊ ተነጽሎ ኣእትዩዋ። ካብ ኣህጉራዊ ፊናንሲያዊ ትካላት፡ ውዑላትን መሳለጥያታትን ከምእትግለል ብምግባር ንግዳዊን ፊናንስያዊን ረብሓታታ ከምዝህሰ ገሩ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ንመነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ድኽነት ዝሸመሙ ምንቁልቋል ሃገራዊ ቁጠባን ምስንኻል ሃገራዊ ልምዓትን ክፍጠሩ ክኢሎም። ብመንጽር እዞም ነባራት ሽግራት’ዚኦም፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝእንፍቶ ዘሎ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ብወገን ኤርትራ ብሓፈሻኡ ብእወንታ ክርኤ ዝግብኦ ክስተት እዩ። ብጥልቀት ምስዝርኤ ግን፡ መሰረትን ዕላማን ናይቲ ተበግሶ ብዝግባእ ከይመርመርካን ከይተረዳእካን ሓንጎፋይ ኢልካ ብምሉእ ልቢ እትቕበሎ ጉዳይ ክኸውን ኣይግባእን።
ዕላማን እዋናውነትን ተበግሶ ምምሕዳር ኣሜሪካ
መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ማዕቀባት ኣብዚ እዋን’ዚ ከተልዕልን ዝምድናኣ ከተመሓይሽን ዝወሰነትሉ ደራኺን እዋናዊን ምኽንያት ግሉጽ ኣይኰነን። ብሓፈሻ፣ ኣሜሪካ ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም ከምእትገብሮ፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ-ባሕሪን ቀርኒ-ኣፍሪቃን እውን ረብሓታታ ካብ ምቁማት ዓዲ ከምዘይትውዕል ፍሉጥ እዩ። ስለዝዀነ ከኣ፡ ንኤርትራን ዞባናን ብዝምልከት ንእትሕንጽጾም ፖሊሲን ኣጀንዳን ዝውስኑ ቀንዲ ረቛሒታት፡ ኣብቲ ዞባ ከተውሕሶም እትደሊ ሃገራዊ ረብሓታታትን ክትጻወቶ እትሕልን ጂኦስትራተጂካዊ ተራን ምዃኖም ርዱእ እዩ። ክንዮ’ዚ ግን፡ ብፍሉይ ምስ ኤርትራ ዝምድናኣ ብምምሕያሽ ክፍጠር እትደልዮ ኩነታትን፡ ቀጥታ ካብ ኤርትራ ክትርኽቦ እትጽበዮ ረብሓን እንታይ ምዃኖም ንግዜኡ ዘይተጋህዱ ምስጢራት እዮም።
ገለ ተዓዘብትን ተንተንትን ፖለቲካ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እተርእዮ ዘላ ተገዳስነት ምስ ኢራን ብዝኣተወቶ ኲናትን ብሳዕቤናቱን ዝተደረኸ እዩ ዝብል መጎት የቕርቡ። ብሰሪ’ቲ ኲናት መጻብቦ ሖርሙዝ ብምዕጻዉ፡ ናብ ምሉእ ዓለም ዝጐዓዝ ቀረብ ነዳዲን ካልኦት ኣገደስቲ ፍርያትን ወሽመጥ ፋርስ ኣዝዩ ከምዝነከየን ፈጺሙ ደው ክብል’ውን ከምዝኽእል እቶም ተንተንቲ ይግምቱ። እዚ ተርእዮ’ዚ ኣብ ዓለምና ክፈጥሮ ዝኽእል ቁጠባዊ ወጥሪ ዘሻቐላ ኣሜሪካ፡ መጻብቦ ባብ-ኤል-መንደብ ዝኣፍደገኡ ቀይሕ ባሕሪ ከም ኣማራጺን ቀንድን መስመር ንግዲ ከምዘገልግል ናይ ምግባሩ ድሌት ከምዘለዋ ይንገር። ነዚ ማያዊ መስመር’ዚ ንምቁጽጻር ኣብ እተካይዶ ሓለዋ ጸጥታን፡ ተጻባእቲ ሓይልታት ንምጥቃዕ ኣብ እትወስዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲን ንኽትልእካን ክትጥቀመላን እያ’ምበኣር ኣሜሪካ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኤርትራ ትቐርባ ዘላ ብምባል ከኣ ትንታኔኦም ይዛዝሙ። ኣሜሪካ ዝምድናኣ ከተመሓይሽ ዝደረኻ ዕላማ ብዝምልከት፡ እዚ ትንታኔ ዘቕረቦ ሓሳብ ሓቅነት ዘለዎ ይመስል።
ካልእ ክትኰረሉ ዝግብኦ ኣገዳሲ ነጥቢ፡ እዋናውነት ናይቲ ተበግሶ እዩ። እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ፖለቲካዊ ትንተና፡ ምምሕዳር ኣሜሪካ ምስ ኤርትራ ዝምድናኡ ንኸመሓይሽ ዝወሰዶ ተበግሶ፡ ምጅማር ኲናት ኣብ ኢራን ስዒቡ ዝመጸ ምዃኑ እዩ ዝእምት። እዚ ዝተዋህበ እዋናውነት ናይቲ ተበግሶ ግን፡ ምስ ዝተሰነዱ ሕሉፍ ፍጻሜታት ዝሳነ ኣይኰነን። ንኣብነት ኣብ መፋርቕ 2025 ዓ.ም. ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብወገን ክልቲኤን ሃገራት ዝምድናኤን ንኽመሓየሽ ድሌት ከምዝጸንሐ ድሕሪ ምጥቃስ፣ ኣብ ዓመተ-2026 ናይ ምርድዳእን ምቅርራብን ገስጋስ ክርኤ ትጽቢት ከምዝግበር ኣተንቢሁ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ እቲ ፕረዚደንት ምስ ማሳድ ቡሎስ (ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን) ኣብ 2024 ዓ.ም. ብኣሳላጥነት ግብጺ ብምስጢር ድሕሪ ምርኻቡ፡ ብዛዕባ ምምሕያሽ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዘትዮም ከምዝነበሩ ሎምቅነ ጋህዲ ዝተገብረ ሓቤረታ የመልክት። ስለዚ፡ ምንም’ኳ ተገዳስነት ኣሜሪካ ብምኽንያት ኲናት ኢራንን ምዕጻው መጻብቦ ሖርሙዝን ዓብዩ ክኸውን ዝኽእል እንተዀነ፣ እቲ ናይ ምቅርራብ መደብ ግን ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝተጠንሰሰ ምንባሩ፣ ዝርርብ ክልቲኦም ወገናት’ውን ኣቐዲሙ ክካየድ ከምዝጸንሐ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዞም ኣገደስቲ ሕቶታትን ኩነታትን እዚኣቶም፡ ምናልባት ምልዓል ማዕቀብ ስዒቡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ዝግበር ዘተን፡ ኣሜሪካ ንኤርትራ ብእተቕርበላ እማመን ክንጸሩ ይኽእሉ ይዀኑ። በዚ ይኹን በቲ ግን፡ ኣሜሪካ ዝምድናኣ ንኸተመሓይሽ ዝደረኻ ምኽንያትን ዕላማኡን ብወገን ኤርትራ ብጥልቀት ክፍተሽን ክምርመርን ዘለዎ ኣዝዩ ወሳኒ ጉዳይ እዩ።
ርዝነትን ቀጻልነትን ሓድሽ ፖሊሲ ኣሜሪካ
ካልእ ኣገዳሲ ሕቶ፡ እዚ ኣሜሪካ ተርእዮ ትመስል ዘላ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ክህልዎ ዝኽእል ናይ ግዜ መቓን እዩ። ኣሜሪካ ትእንፍቶ ዘላ ለውጢ፡ ህጹጽ ሃገራዊ ረብሓኣ ንምውሓስ እትገበሮ ዘላ ግዝያዊ ምትዕርራይ ድዩ? ወይስ ንሕሉፍ ጸረ-ኤርትራ መርገጺኣ ዝትክእ መሰረታዊ ናይ ፖሊሲ ለውጢ እዩ? ብወገን ኤርትራ ነዚ ንምጽራይ ኣብ ዝግበር ፖለቲካዊ ግምገማ፡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግብኦም ኣገደስቲ ትዕዝብትታት ኣለው። ብቐዳምነት፡ ተኸታተልቲ ምምሕዳራት ኣሜሪካ ንልዕሊ ክልተ ዕቑድ ዝቐጸለ ንኤርትራ ዝጻባእ ፖሊሲ ከሳስዩ ምጽናሖም ክርሳዕ የብሉን። ሕጂ’ውን እንተዀነ፡ ነዚ ናይ ትራምፕ ተበግሶ ዝቃወሙ ልሂቃን ኣሜሪካ (ጋዜጠኛታት፡ ተመራመርቲ፡ ፖለቲከኛታት፡ ሰበ-ስልጣን ነበር: ወዘተ…) ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ።
እዞም ሓቅታት’ዚኦም፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዕቱብ ክሓስበሉ ዝግብኦ ዓቢ ሕቶ ዘልዕሉ እዮም:- ምምሕዳር ትራምፕ ጀሚሩዎ ዘሎ ዝምድና ናይ ምምሕያሽ ኣንፈት፡ ናይ ምምሕዳሩ ድሌት ጥራይ ዘንቀሎ ተበግሶ ድዩ? ወይስ ትካላትን ቢሮክራሲን ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ብፖሊሲ ደረጃ ዝኣምኑሉን ዝድግፍዎን ሃገራዊ ስጉምቲ እዩ? መቦቈል እቲ ተበግሶ ምምሕዳራዊ እንተዀይኑ፡ ቀጻልነትን ተኣማንነትን ናይቲ ኣሜሪካ ትደፍኣሉ ዘላ ለውጢ ኣጠራጣሪ ይገብሮ። ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ፖሊሲታቱ በብግዜኡ ዘርእዮ ግልብጥ-ግልብጥን ዘይምኽኑይነትን፡ ከምኡ’ውን ምስ ታሪኻዊ መርገጺታት ሃገሩ ዘይሳነዩ ውሳኔታቱ ገለ ካብቶም ነዚ ስኽፍታ’ዚ ዝድርዑ ትዕዝብትታት እዮም። ብኣንጻሩ፡ እቲ ተበግሶ ሰፊሕ ሃገራዊ ሰረት ዘለዎ እንተዀይኑ ግን፣ ንዝህልው ስኽፍታታት ምሉእ ብምሉእ ዝቕንጥጥ ኣይኹን’ምበር፡ ብወገን ኤርትራ ዝሓሸ ተኣማንነት ከምዝወሃቦ ክገብር ይኽእል። ነዚ ሕቶ’ዚ ጭቡጥ መልሲ ንምርካብ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ዝግበሩ ርክባት ምምሕዳር ኣሜሪካ ዘቕርቦም ሓሳባትን ዝፍጽሞም ተግባራትን ብጥልቀት ምክትታልን ምትንታንን ከድሊ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ዕማም’ዚ እናሰላሰለ ሃገራዊ ረብሓኡ ዝጐድእ ክስተት ክሳብ ዘየጋጠመ፡ ምስ ኣሜሪካ ክተሓባበርን ንተበግሶኡ ክድግፍን ተመራጺ ይኸውን።
ምሕደራን ድሕነትን ቀይሕ ባሕሪ
ቀይሕ ባሕሪ ብሾሞንተ ዝዳወባኦ ናይ ኣፍሪቃን ማእከላይ-ምብራቕን ሃገራት (ወይ ገማግም-ባሕሪ ሃገራት) ዝተኸበበ ባሕሪ እዩ። ስለዝዀነ ከኣ፣ ጸጥታኡን ድሕነት ኣህጉራዊ ንግዳዊ መስመሩን ዝረጋገጹ፡ ነፍስወከፍ መዳውብቱ ሃገር ጸጥታ ማያዊ ግዝኣታን ከባቢኡን ከተውሕስ ምስእትኽእል እዩ። እዚ ሓባራዊ ዕማም ብኣድማዕነት መታን ክሰላሰል ከኣ፡ ሀ/ ገምገም-ባሕሪ ሃገራት ዘለወን መሰልን ግዴታን ዘነጽር፡ ለ/ ተሳታፍነተን ዘወሃህድን ኣበርክቶአን ዝጠምርን ውዕል ክህሉ የድሊ። ኣባላት ሃገራት፡ ምሕደራን ድሕነትን ቀይሕ ባሕሪ ብኸምዚ ውዕል ክምራሕ ዝግብኦ ሓባራዊ ሓላፍነተን ምዃኑ ይኣምና። ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ፡ ነቲ ውዕል ከተግብር ኣብ 2020 ዓ.ም. ንዝተመስረተ ቤት-ምኽሪ ኣብ ምብርባር ይሰርሓ ኣለዋ። ብኸምዚ ኣገባብ ዝምእከል ምሕደራን ሓለዋ-ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ፡ ተሳትፎ ተረባሕቲ ናይ ዝዀና ከም ኣሜሪካ ዝኣመሰላ ናይ ደገ ሓይልታት’ውን ዘአንግድ እዩ። እዚ ማለት፡ ቀዋሚ ህላዌ ሰራዊት ወጻእተኛታት ከየድለየ፡ ኣብ ራዳርን ጸረ-ድሮን ተክኖሎጂን ዝምርኰስ ሓለዋ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ንምክያድ ምስ ካልኦት ሃገራት ተክኒካዊ ምትሕብባር ክገብር ቅሩብ እዩ።
ኤርትራ ንልዕሊ ሰለስተ ዕቑድ ጸጥታ ማያዊ ግዝኣታ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ከባቢኣ ሰላም ከተውሕስ ዘኽእላ ዓቕሚ ከምእትውንን ብግብሪ ዘመስከረት ሃገር እያ። እዚ ክትገብር ዝኸኣለት፡ ብዝተፈላለዩ ናይ ጸለመ ክስታት ተመኽንዮም ኣብ ልዕሊኣ ንዓመታት ዝተስገደዱ ቁጠባዊ፡ ዲፕሎማስያዊን ወተሃደራዊን ማዕቀባት እናሃለው እዩ። ሕጂ ከምዝበሃል ዘሎ እቶም ማዕቀባት እንተተኣልዮምላን ብሰበቦም ተዓጊቱ ዝጸንሐ ልምዓታዊ ገስጋሳ’ውን እንተኣበራቢራን፣ ዓቕማ ከምዝዓቢ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ብኸምዚ ዝደንፈዔ ዓቕሚ ኤርትራ ከኣ፡ ንሓባራዊ ተልእኮ ገምግም ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ገዚፍ ኣበርክቶ ክገብር ተኽእሎ ኣሎ። ነዚ ተኽእሎ ናብ ግብራዊነት ንምስግጋሩ ግን፡ ኤርትራ ናይተን ሓያላት ኣባል ሃገራትን ተረባሕቲ ግዳማውያን ሓይልታትን ድጋፍ ክትረክብ የድሊ።
ኣብ ኤርትራ፡ ንጸጥታን ድሕነትን ንግዳዊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ኣስተዋጽኦ ክገብር ዝኽእል ቀንዲ ኣካል ሓይሊ-ባሕሪ ኤርትራ እዩ። እተን ዝተባህላ ደገፍቲ ሃገራት፡ ነዚ ሓይሊ’ዚ ፊናንሲያዊ፡ ሎጂስቲካዊን ስልጠናዊን ሓገዛት ብምልጋስን ካልኦት መሳለጥያታት ብምቕራብን ከሐይልኦ ይኽእላ። ብተወሳኺ፡ ርእሱ ዝከላኸለሉ ወተሃደራዊ ዕጥቅን ተክኖሎጂን ንኽውንን ብምሕጋዝ ብቕዓቱ ከምዝዓቢን ኣድማዕነቱ ከምዝሕይልን ክገብራ፣ ከም ውጽኢቱ ከኣ ናይ ገዛእ-ርእሰን ረብሓታት ከዕብያን ከውሕሳን ይኽእላ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምትሕብባር፡ ኣካል ናይቲ ኤርትራን ኣሜሪካን ክምስርትኦ ዝኽእላ ሽርክነት ክኸውን ይኽእል።
ትጽቢት ዝግበረሎም ሳዕቤናት ጽምዶ ኤርትራን ኣሜሪካን
ኣሜሪካ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ርክብ ንምምሕያሽ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወሰደቶ ተበግሶን፡ ክሳብ ሕጂ ብወገን ኤርትራ ዝተራእየ እወንታዊ ግብረ-መልስን ትስፉው መጻኢ ዝእንፍቱ ተርእዮታት ይመስሉ። ከም ሳዕቤን ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝርኤ ዘሎ ምቅርራብ ከኣ፡ ናይ ቀረባን ርሑቕን እዋን ዲፕሎማሲያዊን ፖለቲካዊን ምዕባሌታት ክኽሰቱ ትጽቢት ይግበር። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ማዕቀብ ከተልዕል ብምውሳናን፡ ዝምድናኣ ከተመሓይሽ ብምጅማራን ጥራይ ንኤርትራ ድሮ ዓበይቲ ረብሓታት ኣምጺኡላ ይርከብ። እቲ ዝሓለፈቶ ዘመነ-ተነጽሎ ኣብቂዑ፡ ብዙሓት ምስ ኣሜሪካ ዝወገና (ወይ ብኣኣ ዝጽለዋ) ሃገራት ምስ ኤርትራ ንግዳዊን ቁጠባዊን ሽርክነት ንምጅማር ክንቀሳቐሳ ይረኣያ ኣለዋ። ኣብ ዝሓለፈ 3-4 ሰሙናት ጥራይ፣ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ካናዳ፡ ጀርመንን ህንዲን ልኡኻተን ናብ ኣስመራ ብምስዳድ በዚ ጉዳይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ከምእተዘራረባ ይንገር። ብተመሳሳሊ፣ ምስ ኣሜሪካ ንባዕላ ዝካየድ መስርሕ ክልተኣዊ ዘተ ቀጺሉ፡ ኣብ መንጎአን ጥቡቕ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ክምስርታን፡ ንግዳውን ቁጠባውን መሻርኽቲ ክዀናን ሰፊሕ ዕድል ተራሕዩ ኣሎ።
ኣብ ጉዳይ ምሕደራን ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ እውን፡ ኣሜሪካን ኤርትራን ሓቢረን ክሰርሓ ተኽእሎ ኣሎ። ክውን ንምግባሩ ግን፡ ኣሜሪካ በቲ ጥምረት ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ዝሓንጸጾን፡ ተክኒካዊ ተሳትፎ ናይ ደገ ሓይልታት ዘሳሲን መደብ ምሕደራ ክትርዕም የድሊ። እዚ ምስ ዝኸውን፡ ኤርትራ ንትግባረ’ቲ መደብ እትገብሮ ኣበርክቶ ምስቲ ኣሜሪካ እተውፍዮ ተክኒካዊ ሓገዛት ክወሃሃድ ይኽእል። ኣብ ባይታ ግን፡ እዚ ዝተጠቕሰ ናይ ምትሕብባር ተኽእሎ ናብ ግብራውነት ከይሰግር ዝዕንቅፉ ናይ ኣሜሪካ ዕላማን ኣሰራርሓን ከምዘለዉ ምግንዛብ የድሊ። ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ረብሓታታ ከተውሕስ ዘንቀደት ኣሜሪካ፡ ሃገራት ገማግም ባሕሪ ምስ ዘካይደኦ መደባት ማያዊ ምሕደራን ድሕነትን ተወሃሂዳ ንኽትሰርሕ ዓብላሊ ባህርያታ ዝፈቕደላ ኣይኰነን።
ብኣንጻሩ፡ ኣብ መጋቢት-ሚያዝያ 2025 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሑቲ ናይ የመን ዝፈነወቶ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከም ዝምስክሮ፡ ኣሜሪካ ጸረ-ረብሓታተይ ኢላ ንዘለለየቶ ኣካል ይኹን ኩነት ንምቁጽጻር በይነኣዊ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ብምውሳድ’ያ ዕላማኣ ክትወቅዕ እትህቅን። ምስ ኤርትራ ዝምድናኣ ንምምሕያሽ ተርእዮ ዘላ ተገዳስነት’ውን ምስዚ ስትራተጂ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ይኽእል። እዚ ማለት፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትኽተሎ በይነኣዊ ስትራተጂ፡ ምስ ኤርትራ ሽርክነት ዘይኰነስ ተማእዛዝነት ዝሕመረቱ ዝምድና እተቋምት ዘላ እያ ትመስል። ድሕነት ንግዳዊ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ንምውሓስ ብዝብል ሰበብ ኣሜሪካ ኣብ መጻኢ ኣብ እተካይዶ በይነኣዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ኤርትራ ብሽም ሽርክነት ዝወሰነትላ ተራ ንኽትጻወት ኣብ ጐድና ክትስለፍ ትጽቢት ይግበረላ ማለት እዩ። ካብኡ ሓሊፉ’ውን፡ ወደባት ኤርትራ ከም መነሃርያ መራኽብ ውግእ ኣሜሪካን ከም ማእከል ቀረብ ሎጂስቲካዊ ጠለባታን ከገልግላ ከተፍቅድ ትሕተት ትኸዉን።
ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ኩነታት፡ ተለኣኣኺት ካልኦት ሓይልታት ኰይና ከተገልግልን፣ ዝዀነ ክፋል ልኡላዊ ግዝኣታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ካልኦት ሓይልታት ክኣቱን ብትሪን ብጽንዓትን እትቃወም ሃገር እያ። እዚ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዝዓቀበቶን ልዑል ዋጋ እናኸፈለትሉ ዝመጸትን መትከላ ስለዝዀነ፡ ኣብ ሕጂ በጺሓ ሸለል ክትብሎ ኣይኰነትን። ስለዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝካየድ ወተሃደራዊ ወፍሪታትን ጂኦፖለቲካዊ ቁርቁስን፡ ኤርትራ ምስ ኣሜሪካ ወጊና ክትሰርሕ ትጽቢት ኣይግበርን።
መደምደምታ
ኣብ ቀዳሞት ክፋላት ናይ’ዚ ጽሑፍ ከምዝተጠቕሰ፣ ምምሕያሽ ዝምድና ኤርትራን ኣሜሪካን ኣብ ጂኦፖለቲካዊን ጸጥታውን ጉዳያት ሓቢረን ክሰርሓ ዘኽእለን ዓይነት ሽርክነትን ክፈጥር ዝኽእል ኣይመስልን። ኣብዞም መዳያት’ዚኦም፡ ኤርትራ ዘለዋ መትከላትን መርገጺታትን ምስቶም ኣሜሪካ ክትምርሓሎም ዝመረጸት ፖሊሲታትን ጂኦስትራተጂካዊ ውሳኔታትን ዝሳነዩ ከምዘይኰኑ ግሁድ እዩ። ሕቶ መትከላትን መርገጺታትን ንጐድኒ ገዲፍካ’ውን፡ ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እተሳስዮም ጂኦፖለቲካዊ ወጥረታትን ወተሃደራዊ ስርሒታትን ኣቲያ ምውሳእ ይኹን ምድጋፍ ንኤርትራ ከስዕቡላ ዝኽእሉ ዓበይቲ ሓደጋታት ኣለው።
ነዚ ብዝምልከት፡ ኣሜሪካ ምስ ኢራን ካብ እተካይዶ ዘላ ኲናት ዓቢ ትምህርቲ ክቕሰም ይከኣል። ናይ ኣሜሪካ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ንብረትን (ነፈርቲ፡ ሚሳይላት፡ ዝተራቐቑ ናይ መራኸቢን ስለያን መሳርሒታት፡ ወዘተ…) ዘአንገዳ ናይ ወሽመጥ ፋርስ ሃገራት ዓረብ፡ ዒላማ መጥቃዕቲ ኢራን ኰይነን ዓቢ ዕንወት ክወርደን ይረኣያ ኣለዋ። ስለዚ፡ ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ኣብ እተሳውሮ ወተሃደራዊ ዕንደራ ብምስታፍ፡ ኤርትራ ተመሳሳሊ ዕጫ ክገጥማ ከተፍቅድ የብላን። ከምዚ ኰይኑ ግን፡ ኣብዞም መዳያት’ዚኦም ኣብ መንጎአን ዘለው ፍልልያት ብናይ ሓድሕድ ምክብባር እንተተቐቢለን፣ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝሰማማዓሎም ካልኦት ጉዳያት ብምትኳር ኣድማዒ ምትሕግጋዝን ሽርክነትን ክምስርታ ዘይክእላሉ ምኽንያት የለን። ንኣብነት፣ ሀ/ ናይ ደገ ወፍሪ ኣብ ዘድልዮም ከም ሕርሻ፡ ዕደና፡ ምዝምዛ ሃብቲ ባሕሪ፡ ቱሪዝም፡ ወዘተ… ኣብ ዝኣመሰሉ ጽላታት ብምትሕግጋዝ፣ ለ/ ንግዳዊ ብሽርክነት ብምምስራት ክልቲአን ሃገራት ተረባሕቲ ዝዀናሉ ዕድላት ኣለዉ።
ብሓፈሻኡ ግን ኤርትራ ክትክተሎ ዘድልያ ስትራተጂ ንጹር እዩ። መትከላታን መርገጺታታን ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ከየእተወት፡ ናብ ኣሜሪካ ዝቐንዐ ወቐሳ ብምንካይን ብውሕሉል ዲፕሎማሲያዊ ኣገባብ ምስ ኣሜሪካ እናዘተየትን ካብቲ ዝምድና ክትረኽቦ እትኽእል ረብሓታት ከምዝዓቢ ምግባር እዩ።

