back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ጉዳይ፡ መሪሕነትን ግብረ-ገብነትን !!

ኤርትራ ሃገርና ብተፈጥሮ ዝተዓደለት፡ ኣብ ተበሃጊ ስትራተጂካዊ ቦታ እተደኮነትን ጻዕራም ፡ተሓባባሪ፡ሰብ-ኣኽባሪ፡ተቐባሊ-ጋሻን ህዝቢ ዘለዋን ሃገር እያ፡፡ ጥዑያት ፖለቲካዉያን መራሕቲ ጌና ክትረክብ ዘይትዓደለት ክሳብ ሎሚ ንኹልና ምስጢር ዝኾነና ሓደ ሕቶ ዘይመለሰትን እያ፡፡ እዚ ሕቶ ኣብ ርእሲ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ክህሉ ዝኽእል ከምዚ ዝብል’ዩ፡ ‘’ስለምንታይ ካብዚ ጥዑይ ህዝቢ ጥዑያት ፖለቲካዉያን መራሕቲ ክፈርዩ ዘይከኣሉ?’’፡፡  መራሕቲ ፡ ሃገርን ህዝብን ናይ ገዛእ ርእሶም ክገብሩዎ እንበር፡ ገዛእ ርእሶም ናይ ህዝብን ሃገርን ክገብሩ ኣይርከቡን፡፡ ግረይሊንግ ናይ ጆርጅ ፖምፒዱን ኣበሃህላ ብምጥቃስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ ‘’መራሒ ሃገር (statesman)ገዛእ ርእሱ ኣገልጋሊ ሃገር ዝገብር ፖለቲከኛ ክኸዉን እንከሎ፡ፖለቲከኛ ግና ሃገር ናይ ገዛእ ርእሱ ኣገልጋሊት ዝገብር መራሒ እዩ” ይብል፡፡

leader Vs Dictator

ሃገርና ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ሃገር ካብ እትቐዉም፡ ታሪኽ መግዛእቲ እንተዘይኮይኑ እዚ ዝበሃል ዝተኸልናዮ መንግስቲ ኣይነበረን፡፡ድሕሪ’ቲ ኣብ ግዜ እንግሊዝን ፈደረሽንን ዝተፈተነ እሞ ዘይሰለጠ ምቛም ሃገረ ኤርትራ፡ሃገርና ንመጀመርያ ግዜ ከም ነጻን ሉኡላዊትን ሃገር ዝመርሐን ዝመርሕ ዘሎን መንግስቲ ብፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ገዛኢ ሰልፊ ህግደፍ እዩ፡፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኤርትራ ሃገርና ዘለዉዋ መራሕቲ መብዝሕትኦም ብስልጣኖም ሃገርን ህዝብን ንገዛእ ርሶም ኣብ ምጥጣሕ እንበር ገዛእ ርሶም ንህዝብን ሃገርን ዝሃቡን ብኣወንታዊ ኣመራርሓ ዝልለዩ  ኣይኮኑን፡፡ እቶም ኣብ ድያስፖራ (ወጻኢ ሃገራት) ዝነብሩ ኤርትራዉያን እንተኾኑ ዝመስረትወን ፖለቲካዊ ዉድባት ኮና ስቪክ ማሕበራት ኣብ ምእላይን ምዕያይ ምቋም ጥዑይ መንግስትን እዚ ዝበሃል ጽልዋ ፈጢረን ክትብል ዘድፍር ኣይኮነን፡፡ ዘለና ብልጫን ዓቕምን ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን እንተኾነ ንገዛእ ርእስና ክንሓትትን ምላሽ ክንእልሽን ዘገድድ ዓቢ ምኽንያት እዩ፡፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ተኸታተልቲ ጽሑፈይ ብዛዕባ ሞራል(ግብረ-ገብነት)ቅሩብ ንመረዳእታ እንተኾነና ብምባል ዝጠቐስክዎም ሓሳባት ብመንጽር ህዝብታት ኤርትራ ምስ እንርእዮ ኣብቶም ክልተ እምነታት ዝተኻተቱ ሞራላዊ ሓሳባት ከምዝኾኑ ርዱእ እመስለኒ፡፡ ኣብ ትግባረ ናይቶም ሓሳባት ግና ኣሰካፊ ዝኾነ ዛዕባታት ከነልዕል ዝክኣል እዩ፡፡ ሎሚ ነዛ ህልዉቲ ኤርትራ ኣብ ምፍጣራን ምዕቃባን መራሒ ሃይማኖት ኮነ ፖለቲከኛ፡ መራሒ ሰራዊት ኮነ ተራ ወትሃደር፡ምሁር ኮነ ሓረስታይ፡ ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ ኮነ ኣብ ዉሽጢ ሃገር፡ እጃሙ ዘበርከተን ዘበርክት ዘሎን እዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ትማሊ ንስለ ናጽነት፡ መራሒ ሃይማኖት ሃይማኖታዊ ግዴትኡ፡እምነት ዝተነበረሉ መራሒ እምነቱ፡ደቅንስትዮን ኣዴታትን ክብረተን፡ ….. ወዘተ ከፊሎም’ዮም፡፡ መሬትካ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ብምእታዉ መሰልካን ክብርኻን ንዝግሃሰ ፍጡር ንምቅዋም ቅኑዕ ተቓዉሞ ዝበሃል የልቦን፡ ስለዝኾነ ሞራል ኮነ ግብረ-ገብነት ኣብ ግምት ክኣቱ ኣይከኣልን፡፡ እንተኾነ እዚ ንስለ ናጽነት ዝተኸፍለ ድሕሪ ናጽነት ከብቅዕ ዝግብኦ ኢ-ግብረ-ገባዊ(ዘይሞራላዊ) ተግባር ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሃገር ክትግበር ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነ ከም ሃገር ኣብ ሓደ መሰረታዊ ሓሳብ ንኽንቀዉም ኣሸጊሩና ይርከብ፡፡ ዉጽኢት ናይዚ ከይድዚ እቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረ ዘይምትምማን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሃገርና ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ጽልውኡ ዓብዩን ይርከብ፡፡ ሎሚ ዜጋታት ኣብ ዉሽጢ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ዝነብርሉ ምድሪ ስደት ከይተረፈ ካብታ ዝነብርዋ ሃገር ዘይኮነ ካብታ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኪሎሜተራት ዝረሓቑላ ሃገርን መንግስትን ብፍርሕን ዘይምትእምማንን ይነብሩ ኣለዉ፡፡

ግብረ-ገብነት ዝጎደሎ ፖለቲካዊ ስርዓት ብህዝቢ ዝእመንን ዝኽበርን ክኸዉን ኣይክእልን፡፡ ብኣንጻሩ ሰናይ ተግባርን ስርዓትን ግና የኽብር እንበር ኣየሕፍርን፡ ኣየፍርሕን’ዉን፡፡ ፍርሒ እንተልዩ ምትእምማን ይጠፍእ፡ ኣብ ሃገርና እቶም መራሕቲ ንህዝቢ ኣዝዮም እዮም ዝፈርሕዎ፡ በዚ ድማ ነቲ ህዝቢ ንሓድሕዱ ንኸይትኣማመን ኣበርቲዖም ይሰርሑን፡ ዘለዎ ፍልልያት ኣብ ክንዲ ከም ጸጋ ክቅበሎ ዝያዳ ሽግር ብምፍጣር ክሕምስዎ ኮነ ኢሎም ይዓዩ ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ህላወ ተቓዋሚ ሓይሊ ዕረፍቲ ስለ ዝኸልኦም ክፍጠር ዘለዎ ዓቅሚ ድሩት እዩ፡፡ ምንጪ ፍርሓቶም ጠባይ እቲ ህዝብን ተግባሩን ዘይኮነስ ጨካን ኣመራርሕኦምን ዝፈጥረሎም ስግኣትን ብዛዕባ ኣመራርሓ ዘለዎም ፍልጠት ትሑት ስለ ዝኾነን እዩ፡፡ ብዘይካዚ ሕማቅ ዕድል ኮይኑ ግና ምንጪ ዘለዎም ፖለቲካዊ ሽግራት ንህዝብን ንኻልኦት ፖለቲካዉያን ሓይልታት ይኸሱ እንበር ናይ ገዛእ ርእሶም ሽግር ከም ዝኾነ ኣይኣምኑን ወይ ክቕበልዎ ኣይደልዩን፡፡ ካብ ስግኣቶምን ፍርሖምን ዝተላዕለ ብጭካነ ክንደይ ንጹሃት ዜጋታት ተኣሲሮም፡ሞይቶምን ተሰዲዶምን ክንሰምዕ ዳርጋ ስማዕ መዓልታዊ ዜናና እዩ፡፡ ዝተፈላለዩ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ተፈጺሞምን ይፍጸሙን ጌናውን ይቅጽሉን ንርኢ ኣለና፡፡ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ፍርሓት ናይ ጭካነ ዝዓበየ ምንጪ እዩ፡፡ ንህዝቢ ዝምራሕ ብጭካነን ፍርሒ ብምንጋስን ዘይኮነ ዝሓሸ ማሕበራዉን ፖለቲካዉን ስርዓት ብምህናጽ፡ኣብ መንጎ ዜጋታት ምትእምማን ከምዝህሉ ብምግባር እንበር ነቶም ዝተቓዎሙኻ ንዘላእለም ከምዘይህልዉ ብምግባር ውዒሉ ሓዲሩ ንሃላወኻ ዘውሕስ ኣይኮነን፡፡ በዚ መልክዕ ኣብ ናይ ሃገርና ፖለቲካ ፍርሓት ጭካነ ክፈጥር ፡ጭካነ ድማ ፍርሃት ከራብሕ ጸኒሑስ ብዙሓት ሓለፍቲ ካብ ጌጋታቶም ኣብ ክንዲ ምእራም መጋበርያ ክኾኑ ክንርእዮ ጸኒሕና ኢና፡፡ ኣብቲ ንኤርትራ ነጻ ንምዉጻእ ዝተገብረ ቃልሲ ዋላ’ኳ መን ኣመስጋኒ መን’ከ ተመስጋኒ ሕቶ ዘልዕል እንተኾነ ነቶም ካብ በረኻ ዝመጹ ተቓለስቲ(ተጋደልቲ)ህዝቢ ዓቕሙ ዝፈቐዶ ገበረሎም ፡ሓብሓቦም፡ ኣኽበሮም፡ኣድነቖም ኣመስጊኑ ድማ ነመስጋናይ ሃቦም ብፍላይ ነቶም መራሕቲ፡፡ እንተኾነ እዚ ኣብ ዕስራ ክፍለ ዘመን ብዝተገብረ ጅግንነትን መስዋእትን ጉልባብ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጸም ዘሎ በደል መዓስ ከም ዘብቅዕ ንጹር ኣይኮነን፡፡

 

ሰናይ ቅነ፡፡

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles