back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣዲስ ኣበባ: ብዙሓት ኤርትራውያን ተገፊፎም ይእሰሩ ኣለዉ

ጸጥታዊ ኲነታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸፍአ ደረጅኡ ደይብሉ ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ማእሰርትን ግፋን ኣጋጢምዎም ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት። እዚ ንተዛረብቲ ንተወለድቲ ትግራይ ዕላማ ጌረ ዝግበር ዘሎ ግፋን ማእሰርትን፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን እውን ለኪሙ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እቲ ግፋ ኣብ ኣፍደገ መንበሪታት ገዛውትን ተፍትሽን እናከይደካ ይግበር ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ምስ ናይ ስደተኛ ወረቀቶም ዝጸንሑ ከይተረፈ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተሓጺሩ ዝጸንሐ ሓድሕድ ኲናት ኢትዮጵያ፡ ድሮ ናብ ማእከል ገጹ ኣብ ዝግስግሰሉ ዘሎ እዋን፡ ኲነታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ሕማቅ ወዲቁ ከምዘሎ ይጥቀስ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜርካ ዜጋታቱ ምንቅስቃሶም ጠጠው ከብሉን፡ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ምድላዋቶም ከጻፍፉን ሓቢሩ ይርከብ። ብተወሳኺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ን6 ኣዋርሕ ክጸንሕ ዝበሎ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ትማሊ ከምዝኣወጀ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles