back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዕዉት ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ሓቢሩ

ብቀዳማይ ምኽትል ፕረዝደንት መሰጋገሪ ልዑላዊ ባይቶ ሱዳን ለተናል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ኣቃኒዑ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ኣፍሊጡ። ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ዑመር ቓማራዲንን ዳይረክተር ኣገልግሎት ጸጥታ ጀነራል ዓብዱልሓሚድን ውን ምስቲ ልኡኽ ከምዝገሹ እቲ በዓል ስልጣን ኣቀዲሙ ብመንገዲ ትዊተር ኣፍሊጡ ነሩ።
እቲ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ምስ ፕርዝደንተ ኢሳይያስ ኣፈወርቅ ኣብ ጉዳይ ናይ’ቲ ዞባ፡ ዶባት፣ ስደተኛታትን ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ዝተመዛበሉን ዝምልከት ከም ዝተዘራረቡ መንግስታዊ ማዕከን ሓበሬታ ሱዳን “SUNA” ኣፍሊጣ።
ብዓርቢ 8 ጥሪ 2021 ኣብ ስዓታት ድሕረ-ቀትሪ፡ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዑመር ቓማራዲን ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ካርቱም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ምስ ፕረዝደንት ኢሳይያስ ዝተገብረ ዝርርብ፡ ኣብ ጉዳያት ናይ’ቲ ዞባ፡ ህልዊ ኩነታት ክልትአን ሃገራት፡ ከምኡ ድማ፡ ኩነታት ዶባትን ጉዳይ ናይቶም ብሰንኪ ኣብ ጎሮበት ሃገር ኢትዮጵያ ብዝተኸስተ ዓመጽ ዝትፈናቀሉን ዝተሰደዱን ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።
እቲ ብዓል ስልጣን ብተወሳኺ ኣብ ስትራተጅን ክልተአን ሃገራትን ናይ’ቲ ኣብ ዝምልከት ጉዳያትን ርእይቶታ ከምዝተለዋወጡ ወሲኹ ገሊጹ። እቲ ናብ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ምብጻሕ ድማ ዕዉት ከም ዝነበረን ክልትአን ወገናት፡ ንረብሓ ክልትአን ሃገራት ምትሕብባር ክቅጽሉን፡ ኣብ ዞባዊን ዓለምለኻኢ ጉዳያት ድማ ምውህሃድ መርገጽታት ክገብሩን ከምዝተሰማምዑ ገሊጹ።
ብሰንኪ እቲ 4 ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሰመናዊ ክፍላ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ወተሃደራዊ ግርጭት ሱዳን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከተዑቊብ ከላ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብዘደውብ ምብራቕ ዶባት ድማ ምስ’ታ ሃገር ኣብ ረጽሚ ከምዘላን እቲ ዝከራኽር ዝነበረ ቦታት’ውን ምሉእብምሉእ “መልሰዮ ኣለኹ” ከምዝበለትን ይዝከር። ብኻልእ ሸነኽ ስርዓት ኣስመራ፡ ምስ ፈደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ይሳተፍ ከምዘሎ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከይተረፉ ክገልጽዎ ጸንሖም ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኢዮም ‘ምበ’ኣር ኤርትራን ሱዳንን ምብጽጻሕ ዝፍጽማ ዘለዋ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles