back to top
ቀዳም 19 ሚያዝያ, 2025

ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ናብ ኤርትራ ከምዘቕነዐ ተፈሊጡ

ሎሚ ዓርቢ 8 ጥሪ 2021 ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ዝርከቦም ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ናብ ኤርትራ ከምዘቕነዐ ምኽትል ኣቦ ወንበር መሰጋገሪ ልዑላዊ ባይቶን ምኽትል ኣቦ ወንበር ወተሃደራዊ መሰጋገሪ ባይቶን ሱዳንን ዝኾነ ለተናል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ኣብ ትዊተር ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ በዓል ስልጣን ዘስፈሮ ሓበሬታ ወጻኢ ጉዳያት ናይ’ታ ሃገር ዑመር ቓማራዲን፤ ሓላፊ ኣገልግሎት ጸጥታ ጀነራል ዓብዱልሓሚድን ክልኦት ሰበ-ስልጣን ናብ ኤርትራ ኣምሪሖም ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ዕላማ ናይቲ ምብጻሕ ድማ፤ ዝምድና ክልትአን ሃገራት፡ ምትሕብባርን ሰናይ ጉርብታትናን ከምኡ ድማ ኩነታት ናይቲ ከባብን ዞባን ምዝታይ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
ብወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዝምራሕ ልኡኽ ስርዓት ኣስመራ ብ 6 ጥሪ ናብ ሱዳን ምብጻሕ ፈጽሙ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፤ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሮ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ጸጥታዊ ኩነታት ናይቲ ዞባ ኣብ ዘሰከፍ ደረጃ ከምዘሎን ሱዳንን ኤርትራን ድማ ናይ ቀረባ ተጸለውቲ ከም ዝኾናን ይግለጽ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,388ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles