ድሕሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምእዋጁን፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ምግስጋሶምን፡ መንግስቲ ኬንያ ንዶባታ ዘዋስን ኣስታት 800 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ዶብ ንዘይተፈልጠ እዋን ከምዝዓጸዎን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይቲ ዶብ መፈተሺ ንቑጣ(ኬላ) ከምዝዘርግሐን ተሓቢሩ።
ብመሰረት እተን ማዕከናት ሓበሬታ ዝሃብኦ ጸብጻብ፡ ዶብ ኬንያን ኢትዮጵያን ከምእተዓጽወን፡ ንዘይሕጋውያን ምስግጋር ሰብን መሳርያታትን ንምግታእ ኣዚዩ ጽኑዕ ሓላዋ ትገብር ከምዘላን ሓቢረን።
መንግስቲ ኬንያ ነዚ ስጉምቲ ክወስድ ዝተገደደ፡ ኣብ ጎረቤት ሃገሩ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ናብ ኬንያ ከይልሑኽ ዝፈጠሮ ስግኣት ምዃኑን ክገልጽ ከሎ፡ ክትቆጻጸሮ ዘይትኽእል ዋሕዚ ተመዛበልቲ ንምግታእ ሙዃኑ እውን ብተወሳኺ ይሕበር።
መንግስቲ ኬንያ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰብኣዊ መሰላት ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገበሮ ምምይያጥ፡ ኣስታት 5 ሚሊዮን ሰባት ተማዘበልትን ስደተኛታትን ናብ ኬንያ ክሰግሩ ከምዝኽእሉ ምግላጹ ይሕበር። ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ኬንያ፡ ዜጋታቱ ጥንቃቐ ክገብሩን ከባቢኦም ብ ኣትክሮ ክከታተሉን ከምዝጸውዐ፡ እተን ማዕከናት ዜና ይሕብራ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት፡ ንካልኦት ሃገራት ናይቲ ዞባ ጽልዋ ምፍጣሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝኸፍአ ደማዊ ኲናት ከይሰግር ስግኣት ከምዘሎ ይሕበር።