ምስቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ዑደት ዝፈጸመ ሚኒስተር ምህዞን ተክኖሎጂን ናይ’ታ ሃገር ዶክተር ኣብርሃም በላይ ብምውካስ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝጸብጸባኦ፡ ኣብ ምንጎ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ሕውነታዊ ርክብ ንምድልዳል ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ሓብረን።
ካብ ሕውነታዊ ርክባት ምሕያል ሓሊፉ፡ ኣብ ሞንጎ ክልትኡ ህዝብታት ልምዓታዊ ምትእስሳር ንምግባር ስምምዕ ከምዝተገብረ ብተወሳኺ እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ ክብላ እተን ማዕከናት ዜና ጸብጽበን።
በዚ መሰረት፡ ብሓባር ክስርሑ ዝኽእሉ ናይ ስራሕ ውጥናት ተቐሪጾም ናብ ስራሕ ንምእታው፡ ኣብ ሞንጎ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራ ምርድዳእ ከምዝተገብረ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ኣብቲ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከምዘፍለጠ ይሕበር።
ኣቀዲም ኣቢሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣዶክተር ኣቢ ኣሕመድ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ክልል ትግራይ ክትስሕብ ከምዝተሰማመዐትን ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ዶባት ክዋፈር ከምዝኾነን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።