back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ርክብ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ንምሕያል ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ተሓቢሩ

ምስቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ዑደት ዝፈጸመ ሚኒስተር ምህዞን ተክኖሎጂን ናይ’ታ ሃገር ዶክተር ኣብርሃም በላይ ብምውካስ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝጸብጸባኦ፡ ኣብ ምንጎ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ሕውነታዊ ርክብ ንምድልዳል ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ሓብረን።

ካብ ሕውነታዊ ርክባት ምሕያል ሓሊፉ፡ ኣብ ሞንጎ ክልትኡ ህዝብታት ልምዓታዊ ምትእስሳር ንምግባር ስምምዕ ከምዝተገብረ ብተወሳኺ እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ ክብላ እተን ማዕከናት ዜና ጸብጽበን።

በዚ መሰረት፡ ብሓባር ክስርሑ ዝኽእሉ ናይ ስራሕ ውጥናት ተቐሪጾም ናብ ስራሕ ንምእታው፡ ኣብ ሞንጎ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራ ምርድዳእ ከምዝተገብረ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ኣብቲ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከምዘፍለጠ ይሕበር።

ኣቀዲም ኣቢሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣዶክተር ኣቢ ኣሕመድ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ክልል ትግራይ ክትስሕብ ከምዝተሰማመዐትን ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ዶባት ክዋፈር ከምዝኾነን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles