back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ዑጥቃት ምልሻ ህወሓት፡ ትሽዓተ መንእሰያት ስደተኛታት ኤርትራውያን ከምዝቀተሉ ተሓቢሩ

ሕጻጽ፡- ካብ ማዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ናብ ማይ ዓይኒ ዝመጹ፡ ብኣማኢት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ን ማዕከን ሓበሬታ ኤ.ፍ.ፒ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኲናት ካብ ዝጅምር ህይወቶም ኣብ ፍርሕን ራዕድን ከምዝነበረን፡ ኣደዳ ጭውያ ብ ሰራዊት ኤርትራን፡ መቅተልቲ ብ ምልሻ ህወሓትን፡ ከምኡ’ውን ናብ ማይ ዓይኒ ንምብጻሕ ዝነበረ ጉዕዞ ሕሱም ጥምየት ከም ዘጋጠሞም፡ ኣብ ጉዕዝኦም ቆጽሊ እንዳ ተመገቡ ከምዝሕለፍዎን ሓቢሮም።

ብሰንኪ ፍርሒ ሽም ኣቡኡ ክዕቀበሉ ዝደለየ፡ ግርማይ ዝተባሃለ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ “ኣብዚ ማዓስከር እንድሕር ዘወር ኢልካ፡ ካብ ሕጻጽ ንዝመጹ እንተ ሓቲትካዮም፡ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ክዝክሩ ከለዉ፡ ንብዓት እዩ ዝቅድሞም”፡ “እቶም ዝተጨውዩ ብ ህይወት ይሃልዉ ኣይሃልዉ ንፈልጦ ነገር የለን”፡ ክብል ወሲኹ ይገልጽ። ብዙሓት ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ ደገፍቲ ህውሓት ዝኾኑ ምልሻ፡ ኣብ ዓወደ ኩናት ዘጋጥሞም ንዝነበረ ስዕረት፡ ሕነ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ናይ መቅተልቲ ስጉምቲ ከምዝወስውዱን ንኤ.ፍ.ፒ ሓቢሮም። ሓደ ንግሆ፡ ኣብ ከባቢ ቤተክርስትያን ንዝነበሩ ትሽዓተ መንእሰያት ስደተኛታት ኤርትራውያን ቶኪሶም ከምዝቀተሉ ዝሓበሩ እቶም ስደተኛታት፡ ብተወሳኺ እቶም ምልሽታት ህወሓት፡ መዓስከር ሕጻጽ ከም ማዓስከሮም ን ሰሙኑት ብምጥቃም፡ ዝኾነ ሰብ መግቢ ምምእራር ይኹን ንካልእ፡ ካብ መዓስከር ንከይወጽእ ከምዝኸልከሉን፡ ክወጽእ ንዝፈተኑ ከኣ ከም ዝተቀተሉን ገሊጾም።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሕጻጽ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ንብዙሓት ከምዝኣሰሩን፡ ናበይ ከምዝወሰድዎም ከምዘይፈልጡን፡ ሃላዋቶም ከም ዘይብሎም ይገልጹ። ሓደ ካብቶም ነዚ ሓበሬታ ዝሃቡ፡ ካብ 26 ክሳብ 27 ብዝሒ ዝኣኽሉ ስደተኛታት ኤርትራውያን ብ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ማዓስከር ክውሰዱ ብዓይኑ ከምዝተዓዘበ ንኤ.ፍ.ፒ ሓቢሩ።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ውዱብ ሑቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት (UNHCR)፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ማዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ዝኾነ ቀረብ ይኹን ሃለዋት ናይቶም ስደተኛታት ክፈልጥን ክበጽሕን ከምዘይከኣለ ክሕብር ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ኣብተን ማዓስከራት ዕንወትን ጸጥታዊ ሽግር ከምዘሎ ካብ መራኸቢ ብዙሓንን ዝተፈላለዩ ጸብጻባትን ክግንዘብ ከምዝኸኣለ እቲ ትካል ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሽምልባን መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ፡ ሰቲት ካብ ሳትላይት ንዝተረኽበ መወከሲ ብምጥቃም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ናይ ዜማ ጸብጻብና ኣቅሪብናዮ ምንባርና ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles