ኣምበሳድር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኢብራሂም ኢድሪስ ፤ ነቲ ኤርትራ ናብ ዶብ ሱዳን ክልተ ሽሕ ዝኣኽሉ ሰራዊት ኣጸጊዓ ዝብል ኣብ መሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፡ ሓሶት እዩ ክብል ከምዝነጸጎ ኣኽባር ኣልዮም ዝተባህለት ብዓረብ እትሕተም ጋዜጣ ሱዳን ሓቢራ። እቲ ኣምበሳደር እቲ ኮነ ተባሂሉ ንዝምድና ናይ ክልቲኤን ሃገራት ዕላማ ጌሩ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ ከምዘስደመሞ ብተወሳኺ ሓቢሩ። ኣምበሳድር ኢብራሂም ወሲኹ፤ ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ሱዳን ዝኾነ ወተሃደር ሃገሩ ከምዘየለ ድሕሪ ምሕባር፤ ዝምድና ክልተአን ሃገራት እንዳዓሞቐ ይኸይድ ምህላዉ ገሊጹ። እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ሓሶት ዜናታት ንግርጭታት ናይቲ ዞባ ንምግዳድ ዝግበር ውዲት ምዃኑ፡ ገሊጹ ክትብል እታ ጋዜጣ ኣስፊራ። ብ ሸሞንተ ጥሪ ናይዚ ሕዝናዮ ዘለና ዓመት ብቀዳማይ ምክትል ፕረዝደንት መሰጋገሪ ልዑላዊ ባይቶ ሱዳን ለተናል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ኣቃኒዑ ናብ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ዝዝከር ኮይኑ፤ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተገብረ ዝርርብ፡ ኣብ ጉዳያት ናይ’ቲ ዞባ፡ ህልዊ ኩነታት ክልቲኤን ሃገራትን፡ ኩነታት ዶባትን ጉዳይ ናይቶም ብሰንኪ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ብዝተኸስተ ዓመጽ ዝተፈናቐሉን ዝተሰደዱን ከምዝተዘራረቡ ምግላጹ ይዝከር።
ልኡኻት ሱዳንን ኤርትራን፡ ካብን ናብን ብተደጋጋሚ ዝመላለሱ እኳ እንተኾኑ፤ ብሰንኪ እዚ ካብ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ጸጥታዊ ጸገማት ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ሱዳን ንቡር ፖለቲካዊ ዝምድና ከምዘየለ ገለ ገለ ወገናት ይገልጹ። ስርዓት ህግደፍ ምስ ፌደራላዊ መግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝግበር ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ተሳቲፉ ተባሂሉ ብሰፊሕ ክጽብጸብ ከሎ፤ ሱዳን ድማ ንነዊሕ ዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ከከራኽራ ዝጸነሐ ቦታታት ምሉእ ብምሉእ ኣምሊሰዮ ኣለኹ ኢላ ክትሕብር ምጽንሓ ይዝከር። ብብዙሕ ናይ ጸጥታ ወጥሪ ዝፍለጥ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግም ኣብ ምግምማዕን ምትፍናን የምርሕ ከምዘሎ፡ ምስቲ ዞባ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ስግኣቶም ብሰፊሑ ይገልጹ ኣለዉ።