back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ኤርትራ 166 ገፈፍቲ ዓሳ የመን ትፈትሕ

ኤርትራ ካብቶም ኣሲራቶም ዝጸነሐት 267 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ነቶም 166 ከምዝፈተሐቶም ተሓቢሩ። እቲ ምፍታሕ የመናውያን ኡሱራት ኣብ ክልተ ጉጁለ ተኻፊሉ ዝተካየደ ኮይኑ፤ እቲ ቀዳማይ ጉጁለ 115 ዝሓቆፈ፤ ብሮቡዕ 31 ግንቦት ናብ ከተማ ኾኻ የመን ከምዝበጸሐን፤ እቲ ካልኣይ 51 ገፈፍቲ ዓሳ ዝሓዘ ጉጁለ ድማ ኣብ ተመሳሳሊ  መዓልቲ፤ ደቡብ ካብ ወዳባዊት ከተማ ሞካ ናብ ዝርከብ ገማግም ከምዝሰገሩ ኢዩ ዝሕበር።

እዞም ገፈፍቲ ዓሳ ቅድሚ  ኣብ ኤርትራ ቅድሚ 5 ወርሒ ከምዝተኣሰሩ ኢዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዝገልጽ። ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ጀላቡ ስለዝኸልኦም፡ ካብ የመን ብዝተላእኻ ጀላቡ ናብ የመን ክምለሱ ከምዝኸኣሉ እቲ ዜና የረድእ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ብዘይካ ዝተኸደንዎ ክዳን ኩሉ: መንግስቲ ኤርትራ ከምዝኸልኦም ውን እዩ እቲ ዜና ዝሕብር። 

የመን ነቶም ተሪፎም ዘለዉ፤ 101 ኡሱራት ገፈፍቲ ዓሳ ክፍትሑ ሓቲታ ምህላዋ ውን እቲ ዜና ወሲኹ ጸብጽቡ ኣሎ። ኣማኢት የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ማያዊ ግዝኣት ኤርትራ ብምጥሓሶም ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ከምዘለዉን፤ የመን ድማ ነቲ ማያዊ ግዝኣተይ ጠሒሶም ዝብል፡ ብ ኤርትራ ዝቀርብ ክሲ ክትነጽጎ ከምዝጸነሐት ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles