ድሕሪ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ናብ ክልል ትግራይ መግብን መድሃኒትን ምእታው ከምዝጀመረ፡ ኣመኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮያ ኣምበሳደር ሪድዋን ሑሴን ኣፍሊጡ። እቲ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ብ ዓርቢ 11 ሕዳር ኣብ ቱዊተር ብዘስፈሮ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብቲ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝቆጻጸሮ 70 ካብ ሚእቲ ከባቢታት ክልል ትግራይ፡ ሬዲኤት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ይውሒዝ ከምዘሎ ኣረድኡ። ኣምበሳደር ሪድዋን ወሲኹ፡ ረዲኤት ናብቲ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት መንግስቲ ዘየለ ኣከባቢታት ከይተረፈ ይባጻሕ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ዛጊት፡ 35 ረዲኤት ዝጸዓናን 3 ድማ መድሃኒት ዝጸዓናን መካይን ናብ ሽረ ከምዝኣተዋ ገሊጹ።
70% of Tigray is under ENDF.Aid is flowing like no other times.Even to the areas not yet held by ENDF.35 trucks of food and 3trucks of medicine arrived shire. Flights are allowed. Services are being reconnected. The agreement just provides opportunities to enhance services.
— Redwan Hussien (@RedwanHussien) November 11, 2022
ኣምበሳደር ሪድዋን ሑሴን ነዚ ሓበሬታ ዝሂብ ዘሎ፡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ሓበሬታን ጸለወቲ ውልቀ ሰባትን፡ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ልዕሊ ሰሙን እኳ እንተገበረ፡ ክሳብ ሕጂ ናብ ትግራይ ረዲኤት ይኹን፡ ቀረባት ሕክምና ኣይበጸሐን ኣብዝብልሉ ዘለው እዋን ኢዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ኣምበሳደር ሪድዋን ሑሴን፡ ዝኾነ ንምብጻሕ ረዲኤት ዘጋጠሞ ዕንቅፋት ከምዘይለ ብምጥቃስ፡ ገለ ወገናት ነቲ ብልቦና ኣፍሪቃዊያን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበጽሐ ዓወት ሕጉሳት ኣይመስሉን፡ ነቲ ዝተፈጥረ መንፈስ ንምዝራግ ድማ ይጓየዩ ኣለው ብምባል ወቒሱ።
No hindrance whatsoever regarding aid. Some corners don’t seem happier by the fact that African Wisdoms brought a success in Pretoria and hustling to spoil the spirit.
— Redwan Hussien (@RedwanHussien) November 11, 2022
ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትገራይ ረዲኤትን ቀረባት ሕክምናን ንምብጻሕ ዘኽእሎ ስራሕ ኣብ ምክያድ ከምዘሎ ሓብሩ ምንባሩ ይዝከር። ድሕሪ’ቲ ብዕለት 2 ሕዳር ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተብጽሐ ስምምዕ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ደው ከምዝበለ ክሕበር ከሎ፣ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ናብ ተግባር ንምውዓል፡ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ሞንጎ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ዝርርብ ይካየድ ኣሎ። እዚ ዝርርብ ድማ ሎሚ ዓርቢ 11 ሕዳር ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።