back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

መግብን መድሃኒትን ናብ ክልል ትግራይ ምብጽሑ ተሓብሩ

ድሕሪ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ናብ ክልል ትግራይ መግብን መድሃኒትን ምእታው ከምዝጀመረ፡ ኣመኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮያ ኣምበሳደር ሪድዋን ሑሴን ኣፍሊጡ። እቲ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ብ ዓርቢ 11 ሕዳር ኣብ ቱዊተር ብዘስፈሮ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብቲ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝቆጻጸሮ 70 ካብ ሚእቲ ከባቢታት ክልል ትግራይ፡ ሬዲኤት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ይውሒዝ ከምዘሎ ኣረድኡ። ኣምበሳደር ሪድዋን ወሲኹ፡ ረዲኤት ናብቲ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት መንግስቲ ዘየለ ኣከባቢታት ከይተረፈ ይባጻሕ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ዛጊት፡ 35 ረዲኤት ዝጸዓናን 3 ድማ መድሃኒት ዝጸዓናን መካይን ናብ ሽረ ከምዝኣተዋ ገሊጹ።

ኣምበሳደር  ሪድዋን ሑሴን ነዚ ሓበሬታ ዝሂብ ዘሎ፡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ሓበሬታን ጸለወቲ ውልቀ ሰባትን፡ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ልዕሊ ሰሙን እኳ እንተገበረ፡ ክሳብ ሕጂ ናብ ትግራይ ረዲኤት ይኹን፡ ቀረባት ሕክምና ኣይበጸሐን ኣብዝብልሉ ዘለው እዋን ኢዩ። ነዚ ኣመልኪቱ ኣምበሳደር ሪድዋን ሑሴን፡ ዝኾነ ንምብጻሕ ረዲኤት ዘጋጠሞ ዕንቅፋት ከምዘይለ ብምጥቃስ፡ ገለ ወገናት ነቲ ብልቦና ኣፍሪቃዊያን ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበጽሐ ዓወት ሕጉሳት ኣይመስሉን፡ ነቲ ዝተፈጥረ መንፈስ ንምዝራግ ድማ ይጓየዩ ኣለው ብምባል ወቒሱ።

ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትገራይ ረዲኤትን ቀረባት ሕክምናን ንምብጻሕ ዘኽእሎ ስራሕ ኣብ ምክያድ ከምዘሎ ሓብሩ ምንባሩ ይዝከር። ድሕሪ’ቲ ብዕለት 2 ሕዳር ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተብጽሐ ስምምዕ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ደው ከምዝበለ ክሕበር ከሎ፣ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ናብ ተግባር ንምውዓል፡ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ሞንጎ ወተሃደራዊ ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ዝርርብ ይካየድ ኣሎ። እዚ ዝርርብ ድማ ሎሚ ዓርቢ 11 ሕዳር ክዛዘም ትጽቢት ይግበር።

Related Articles

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
912ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles