ሓላፊ ጸጥታ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ስራሕ ተባሪሩ

ሓላፊ ጸጥታ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ፥ ዝኾነ ገብረእዝጋብሔር መብራህቱ ካብ ሰርሑ ብኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ተባሪሩ። ብመሰረት ረይቶርስ (Reuter) ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝረኸቦ ሓበሬታ ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ’ቲ ሕበረት ብዕለት 10 ሕዳር ኣብ ዝጻሓፎ ደብዳበ: ኣቶ ገብረእዝጋብሔር ንሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ንሃገሩ ኢትዮጲያ ተኣማኒ ኮይኑ ኣይገልግልን እዩ ዘሎ ብዝብል ምኽንያት ሙዃኑ ይሕበር።

ርእሲ ከተማ ኢትጵያ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ቀዋሚ ቤት-ጽሕፈቱ ዘደኮነሉ ክትከውን እንከላ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሶማልያ ኣስታት 4400 ሰራዊታ ኣዋፊራ ትርከብ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት