ቀንዲ

ሓላፊ ጸጥታ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ስራሕ ተባሪሩ

ሓላፊ ጸጥታ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ፥ ዝኾነ ገብረእዝጋብሔር መብራህቱ ካብ ሰርሑ ብኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ተባሪሩ። ብመሰረት ረይቶርስ (Reuter) ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝረኸቦ ሓበሬታ ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ’ቲ ሕበረት ብዕለት 10 ሕዳር ኣብ ዝጻሓፎ ደብዳበ: ኣቶ ገብረእዝጋብሔር ንሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ንሃገሩ ኢትዮጲያ ተኣማኒ ኮይኑ ኣይገልግልን እዩ ዘሎ ብዝብል ምኽንያት ሙዃኑ ይሕበር።

ርእሲ ከተማ ኢትጵያ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ቀዋሚ ቤት-ጽሕፈቱ ዘደኮነሉ ክትከውን እንከላ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሶማልያ ኣስታት 4400 ሰራዊታ ኣዋፊራ ትርከብ።

Join the discussion

Keep comments factual, respectful and relevant. Required fields are marked *.