ጽዑቕ ደብዳብ ከቢድ ብረት ኣብ ከባቢታት ሰንዓፈ ይካየድ ኣሎ

ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝበጽሓና እዋናዊ ዜና፡ ኣብ ከባቢታት ሰንዓፈ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ሰራዊት ክልል ትግራይን ብርቱዕ ናይ ከቢድ ብረት ምልውዋጥ ቶኽሲ ክካየድ ውዒሉ ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣረዲኡ። እቲ ጽዑቕ ደብዳብ ዘላምበሳ ኢሮብን ገለ ወሰናስን ዓድታት ከባቢ ሰንዓፈን ዘጠቓለለ ምዃኑን ዝገለጸ እቲ ምንጪ፣ ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣዝዩ ተረቢሹ ከምዘሎን፣ እቲ ጽዑቕ ናይ ከቢድ ብረት ልውውጥ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክይምዕብል ዘስግእ ምዃኑን ወሲኹ ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ክኸውን ዝኽእል በካልእ ምንጪ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ ድማ እቲ ኩነታት   ኣዝዩ ሓደገኛ ኣንፈት ይሕዝ ምህላውን ስርዓት ህግደፍ ንነበርቲ እተን ዓድታት፣ ነብሶም ከድሕኑ ካብቲ ቦታ ክለግሱ ሓቢርዎም ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ስቲት ነዚ ምዕባለታት ተኸታቲሉ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ይርከብ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

1 COMMENT

  1. አብ ዘይ ዳሱ ዝነድድ መንእሰይ ኤርትራ ዝሓለፈ ይአክል ይበል፡፡ኢሳያስ በዚ ዕድሚኡ መታዓረቀ እምበር ነጋሪት ኩናት ምውቃዕ አየምሕረሉን ነይሩ፡፡ነገሩ ኢሳያስ ኢሳያስ እንታይ እቲ ከም ዕንጨይቲ ክነድድ ዝምነየሉ መንእሰይ እዩ ወገድ ይአክል ዝሓለፈ ክብሎ ዘለዎ፡፡

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት