ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሕብረት ኤውሮጳ ስደተኛታት ናብ ሊብያ ምምላስ ጠጠው ከብሎ ጸዊዑ

ኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ስደተኛታት ን ማእከላይ ባሕሪ ክስግሩ ዝረኸቦም፡ ናብ ገሃንም ኩነታት ሊብያ ምምላስ ንዝገብሮ ስርሓት  ጠጠው ከብሎ ጸዊዑ። ኣምነስቲት ኢንተርናሽናል ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ 5 ዓመታት፡ ልዕሊ 82,000 ስደተኛትታ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ንዝሓዞም ስደተኛታት ናብ ሊብያ ከምዝመለሰን፡ እቶም ስደተኛታት፡ ናብ ሊብያ ኣብ ዝተመልስሉ፡ ግዳያት ዓመጽ፡ ማእሰርቲ፡ ምዝመዛ፡ ጉዱድ ስራሓት ምውፋር፡ መቅተልትን ስቅያትን ይኾኑ ከምዘለዉ ይገልጽ።

ብ ጥሪ 10 2022፡ ምልሻታት ሊብያ፡ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ፡ ኣብ ኣፍደገ ቤትጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት(UNHCR) ንዝንበሩ ስደተኛታት ቶኽሲ ከምዝኸፈቱን ሓያሎ ከምዝኣሰሩን ከገልጽ ከሎ፡ ኣብ መዓስከር ዓይኒ ዛራ መዓስከር ስደተኛታት ከኣ እቶም ስደተኛታት ኣብ ጸርየቱ ዘይተሓለወን ካብ መጠን ንላዕሊ ብዝሒ ስደተኛታት ዝሓዘ መዓስከር ይነብሩ ከምዘለዉ፡ እኹል መግብን ዝስተ ማይን ከምዘይብሎም፡ ናይቲ መዓስከር ሓለውቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ግፍዕታት ከምዝፍጽሙን እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ይሕብር።

ኣብ ዓመተ 2021፡ ሓይልታት ሓለዋ ማያት ሊብያ፡ ብ ጥልያንን ሕብረት ኤውሮጳን ተሓጊዞም 32,425 ስደተኛታት ካብ ማከላይ ባሕሪ ብምሓዝ፡ ናብ ሊብያ ከምዝመልሰዎም ክገለጽ ከሎ፡ ኣብታ ዓመት 1553 ዝኣኽሉ ስደተኛታት ዝሞቱ ወይ’ውን ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ከምዘለዉ እቲ መግለጺ ይሕብር።

ኣብ ሊብያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ይሕበር። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሓድሽ መንግስቲ ሊብያ፡ ብምስምስ ጸጥታ ንምሕላው ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ከምዘእተወን፡ ካብዚኦም ብዙሓት ኤርትራውያን ከምዝርከብዎምን ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ