ድሕሪ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ብዕብይቱ ዝተፈለየ ሰለማዊ ሰለፊ ኣንጻር ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ከተማታት ሱዳን፡ ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ዝኾነት ካርቱም ብቀዳም 30 ጥቅምቲ ከምዝተኻየደ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብዚ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰልፈኛታት ንወተሃደራዊ ዕልዋ ዝኾነነን ንስቪላዊ መንግስቲ ንክምለስ ዝጽውዕ ጭርሖታት ከቃልሑ ከምዝዋዓሉ ይግለጽ።
ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ንሰልፈኛታት ንምብታን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ጥይትን ዘንብዕ ጋዝን ብምትኳስ፡3 ሰባት ክሞቱ ከለዉ ልዕሊ 100 ሰባት መቑሰልቲ ከምዘጋጠሞም፡ ኮሚተ ዶክቶራት ሱዳን ይሕብር።
እዚ ናይ 30 ጥቅምቲ ሰለማዊ ሰልፊ ብ በርጌሳዊ ማህበር ሞያውያን ሱዳናውያን ዝተጸውዐ ከምዝኾነን፡ ዕላምኡ እቲ ስቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ንክምለስ ዝጠልብ ከምዝኾነን፡ ሓደ ሚሊዮን ተሳተፊቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝብል ተበግሶ ተዋሂብዎ ዝካየድ ዘሎ ምኻሙ ይፍለይ።ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብሩ ሱዳናውያን፡ ኣኣብ ዝነብሩለን ሃገራት ሰለማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ይሕበር።
ድሕሪ ወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ሱዳን፡ ኣገልግሎት ኢንተርነት ከምዝተዓጽወን፡ ኣገልጉሎት ተሌፎን ሙሉእነት ከምዘይብሉን ክሕበር ከሎ፡ ናብ ዝተፈላልየ ሃገራት ሓዋላ ብ ምግባር ዝፍለጥ ዝዓበየ ትካል ዝኾነ ‘ወስተርን ዩኒዮን'(western union ) ዝፍለጥ ትካል፡ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት ጠጠው ከምዘበለ ይፍለጥ።