ብቀዳም 17 ጥቅምቲ፡ ወደሃደራት ናይታ ሃገር ስልጣን ክሕዙ ዝጽውዕ ሰልፊ ኣብ ቅድሚ ቤተ መንግስቲ እታ ሃገር ተኻይዱ። ሰልፈኛታት፡ ኣብዚ ክልተ ዓመት ዘቑጸረ መሰጋገሪ መድረኽ ንፖለቲካዊ ቅልውላው ብምቅላዓ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናብ ስልጣን ክምለስ ከምዝጸውዑ ማዕከናት ዜና ዓለም ጸብጺበን።
ድሕሪ እቲ ንልዕሊ 30 ዓመት ነታ ሃገራ ዝገዝኣ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሺር ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ምእላዩ፡ እታ ሃገር ካብ ወተሃደራውን ስቪላውን ኣካላት ብዝቖመ ልፍንታዊ ጉጁለ ትመሓደር ከምዘላ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ፡ መራሕቲ ሰራዊት ሱዳን፡ ነቲ ብሓይልታት ናጽነት ንለውጢ ዝፍለጥ ኣካል ምትዕርራያት ክግበረሉ ክጠልቡ ጸኒሖም ኣለው። ብተወሳኺ ምትካእ ካቢነ ናይ’ታ ሃገር’ውን እቲ ካልእ ጠለቦም ከምዝኾነ ይንገር። ብተውሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ ብሰዓብቲ ፕረዝደንቲ ዑመር ኣልበሽር ከምዝተኻየደ ይሕበር።
ኣብዚ ብ17 ጥቅምቲ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተረኽቡ ሰልፈኛታት፡ “ውድቀት ንናይ ጥምየት መንግስቲ” ዝብል ጭርሖ ብምጭዳር፡ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ዑልዋ ጌሩ መንግስቲ ከውድቕ ጻዊዒት ኣቕሪቦምሉ።
እቶም ሰልፈኛታት፡ ናብ ካርቱም ብኣውቶቡሳት ተጓዒዞም ከምዝመጹን ምስ ደገፍቲ እቲ ስቪላዊ ኣካል መሰጋገሪ መንግስቲ ድማ ከምዝተጋጨዉ ጸብጻባት የረድኡ። ብተወሳኺ ሰልፈኛታት ነቲ ተሓጺሩ ዘሎ ቤተ መንግስቲ ኣፌት ከምዝበጽሑን ዝዓግቶም ሓይሊ ፖሊስ’ውን ከምዘይነበረን ይፍለጥ።
ምስዚ ዝተኣሳሰር፡ ቅድሚ እዚ ሰልፊ፡ ዘይተፈልጡ ዕጡቓት፡ ኣብ ከባቢ እቲ ቤተመንግስቲ ንዝነበረ ሓጹር ብምእላይ ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ነቲ ሰልፊ ዝኸውን ምድልዋት ንከይገብሩ ከምዝዓገትዎም ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ካርቱም ከምዝሓበረ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ምብራቅ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ እንዳ ገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝመጹ ጸብጻባት ይሕብሩ።