ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ወይኒ ቀላቲ ክብረወሰን ብምስባር ታሪኽ ሰሪሓ

ቅድሚ 5 ወርሒ ዜግነት ኣሜርካ ዝተቀበለት ጓል 24 ዓመት ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጉያ ተወዳዳሪት ኣትሌት ወይኒ ቀላቲ ኣብ ቦስቶን ዝተኻየደ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ንዝበረ ክብረወሰን ብምስባር ታሪኽ ሰሪሓ።

ኣትሌት ወይኒ ቀላቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝተገብረ ውድድራት ዓወት ክትጓናጸፍ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ጃፓን ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ኦሎምፒክ ንምስታፍ ናይ ዜግነት ሕቶኣ ተመሊሱ ከምዝተዋህበት ይፍለጥ።

ኣብዚ ኣብ ቦስተን ዝተኻየደ ውድድር ብ31 ደቂቅን 18 ካልኢትን ብምዝዛም ክብረወሰን ክትሰብር ከላ፡ ኣብ 2019 ኣብ ኤንሲኤኤ(NCAA) ቻምፕዮን ቀዳመይቲ ኮይና ምዕዋታ ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት