ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ንጅቡቲ ደጊማ ድሂኻታ

ንውድድር ዋንጫ ዓለም ደቂኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት መጻረዪ ግጥማት ከተካይድ ጀሚራ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት፡ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ መዘንኣ ዝኾነት ጁብቲ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 3 ሾቶታት ብምቁጻር ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ተዓዊታ። 

ኣብዚ 3 ብዜሮ ብምስዓር ዝወጸት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ጁብቲ ናይ ካልኣይ ግዜ ዓወት ምምዝጋብ ብድምር ውጽኢት 6 ብሓደ ስዒራ ክትሓልፍ ክኢላ ትርከብ። ዝመጽእ ጸወታ እዛ ሃገራዊት ጋንታ ምስ መዘንኣ፡ ታንዛንያ ክኸውን ምኻኑ ተፈሊጡ ይርከብ። 

ክልተ ጎላት ካብ ድያና እስቲፋኖስ ከምኡ’ውን ሓንቲ ጎል ካብ ምስጋና መሓሪ ኣብዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክትግዘም ክኢላ። 

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 23 ዓመት ኣብ ውድድራት ሴካፋ ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ ከይሓለፈት ከምዝተፋነወት ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ