ንውድድር ዋንጫ ዓለም ደቂኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት መጻረዪ ግጥማት ከተካይድ ጀሚራ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት፡ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ መዘንኣ ዝኾነት ጁብቲ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 3 ሾቶታት ብምቁጻር ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ተዓዊታ።
ኣብዚ 3 ብዜሮ ብምስዓር ዝወጸት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ጁብቲ ናይ ካልኣይ ግዜ ዓወት ምምዝጋብ ብድምር ውጽኢት 6 ብሓደ ስዒራ ክትሓልፍ ክኢላ ትርከብ። ዝመጽእ ጸወታ እዛ ሃገራዊት ጋንታ ምስ መዘንኣ፡ ታንዛንያ ክኸውን ምኻኑ ተፈሊጡ ይርከብ።
ክልተ ጎላት ካብ ድያና እስቲፋኖስ ከምኡ’ውን ሓንቲ ጎል ካብ ምስጋና መሓሪ ኣብዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክትግዘም ክኢላ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 23 ዓመት ኣብ ውድድራት ሴካፋ ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ ከይሓለፈት ከምዝተፋነወት ይፍለጥ።