ሃገራዊት ጋንታ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ንጅቡቲ ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ 

ንውድድር ዋንጫ ዓለም ደቂኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት መጻረዪ ግጥማት ከተካይድ ጀሚራ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት፡ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ መዘንኣ ዝኾነት ጁብቲ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም 3 ሾቶታት ብምቁጻር ኣብ ልዕሊ ጅቡቲ ተዓዊታ።

ንዕረፍቲ 2 ብ 0 መሪሓ ዝወጸት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ሓንቲ ጎል ብምውሳኽ ኣብ ልዕሊ ጁብቲ ናይ ሰለስተ ብሓደ ዓወት ምምዝጋባ ተፈሊጡ ይርከብ።

ነዘን ሰለስተ ሾቶታት ኤርትራ ካብ ደሊና ሳህለ፡  ራህዋ ነጋን ቬኑስ ሃብተስላሴን ብምርካብ እያ ክትዕወት ክኢላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 23 ዓመት ኣብ ውድድራት ሴካፋ ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ ከይሓለፈት ከምዝተፋነወት ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት