back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ደልታ ቫርያንት ዝተባህለ ሓድሽ ቫይረስ ኮሮና፡ ንዘይተኸትቡ ዝያዳ ሳዕቤን የውርድ ኣሎ

ኣብ ህንዲ ንፈለማ ግዜ ከምዝተራእየን፡ ቁልጡፍ ናይ ምልባዕን ምትሕልላፍን ክእለት ከምዘለዎን ዝተሓበረ፡ ደልታ ቫርያንት ዝተሰምየ ሓድሽ ማዕበል ቫይረስ ኮቪድ-19 ዝያዳ ኣብ ዘይተኸትቡ ሳዕቤን የውርድ ከምዘሎ ኣብዚ ቀረባ ዝወጹ ጸብጻብትን ሓበሬታትን የፍልጡ።

ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ኣሜርካ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሞት ናይቶም ሙሉእ ክታበት ዝወሰዱ ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑን፡ እንተኾነ በቲ ቫይረስ ናይ ምሓዝን፡ ምትሕልላፍን ልዑል ምህላዉን ጥንቃቐ ክግበር ከምዘለዎን እቲ ቤተጽሕፈት ገሊጹ።

እዚ ሓድሽ መልክዕን ባህርን ቀይሩ መጺኡ ዘሎ ቫይረስ ዝርግሐኡ ኣብዚ ሒጂ እዋን ሰማንያ ምኢታዊት(80%) ምህላዉን ዝበዝሓ ሃገራት ብቅልጡፍ ይላብዓ ከምዘለዋን ይሕበር። ኣብዚ ሒጂ እዋን 78 ምኢታዊት(78%) ካብ ህዝባ ከቲባ እትርከብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ብዝሒ ምልባዕ ናይዚ ሓድሽ መልክዕ ቫይረስ ይርአ ምህላዉ ኡኳ እንተተሓበረ፡ ናይ ሞት ብዝሒ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ምህላዉ ይሕበር። እዚ ምጉዳል ሞት ምስ ዘሎ ብዝሒ ዜጋታታ ምኽታቦም ምዃኑ ተፈሊጡ ይርከብ።

ብዙሓት ካብቶም ሒጂ ዝወሃቡ ዘለዉ ክታበታት ጽቡቅ ውጽኢት ይርከቦም ከምዘሎን፡ በዚ ሓዲሽ መልክዕን ባህርን ሒዙ ዘሎ ቫይረስ፡ ንዝተሕውዝ ሰብ ዝተኸትበ ምስ ዝኸውን ናብ ጉድኣትን ሕክምናን ናይ ምብጻሕ ኣድላይነት ውሑድ ምዃኑ ይሕበር።

እዚ ሓድሽ መልክዕን ባህርን ሒዙ መጺኡ ዘሎ ደልታ ቫርያንት፡ 50% ብዕጽፊ ማይ ምትሕልላፍን ምብዛሕን ሓይሉ፡ ካብቲ ዝነበረ ሓደ መልክዕ ቫይረስ ከምዝዛይድ ይፍለጥ። እዚ ቫይረስ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰፊሑ የስፋሕፍሕ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኡጋንዳ፡ ናሚብያን ደቡብ ኣፍሪቃን ብሰፊሕ ካብ ዝጥቅዓ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዃነን ይሕበር።

ኣብ ኤርትራ እዚ ሓድሽ ቫይረስ ምእታዉን ዘይምእታውን ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘየለን፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚሩ፡ ሓደ ከቢድ ለበዳ ከምዝተራእየን ካብቲ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽቡ ሓበሬታታት የመልክቱ። እዚ ለበዳ ዝተጠቅዑ ሰባት ኣብ ሕክምና ኣብ ዝኸድሉ ዌልካም ወይ ኒሞንያ እዩ ዝብል መልሲ ይወሃቦም ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ለበዳ ልዑል ተኽእሎ ኮቪድ-19 ክኸውን ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

ከምዝፍለጥ ኤርትራ እታ እንኮ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ክሳብ ሒጂ ክታበት ክትምጅር ዘይክኣለት ሃገር ኮይና ምህላው ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles