back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

መራሕቲ ባይቶ ይኣክል ኣሜርካ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ ምቅጻል ኲናት ናብ ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ ግጉይ ሓሳብ ምዃኑ ገሊጾም

መራሕቲ ባይቶ ይኣክል ሕብራት መንግስታት ኣሜርካ፡ ኣቦ ወንበር ልኡል ዘውደ ከምኡ’ውን ምክትል ኣቦ ወንበር ፍቕረ ጋይም፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ኩነታት ኣመልኪቶም ምስ ተሌቪዥን ኤሪሳት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕትት፡ እቲ ብወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ብመገዲ ሮይተርስ ዝበሎ፡ ንቀጻልነት ኲናት ናብ ኤርትራ ኣመልኪቶም ግጉይን ግዚኡ ዘይሓለወ ዘረባን ክብሉ ገሊጾም። ኣቶ ፍቅረ ጋይም “ዕጡቃት ትግራይ ከተማታት ትግራይ ይቆጻጸር ድኣ ምበር እቲ ጸገም ጌና ኣይተፈትሐን፡ ኲናት ክህሉ እዩ ዝብል ስግኣት የብለይን፡ ግን ብርግጽኛንነት ኣይከውንን ክንብል ኣይንኽእልን ኢና ከጋጥም ይኽእል እዩ፡ ፖለቲኸኛታትን ኣብ ስልጣን ዝመጹ ሓይልታትን ነቲ ናይ ሰብ ሰላም ይዘርጉ ይፍቱኑ ይኾኑ እምበር ማንም ሰለማዊ ሰብ ኣብ ትግራይ ይሃሉ፡ ኣብ ኣምሓራ ይሃሉ፡ ደላዩ ሰላም እዩ” ክብል ገሊጹ።

ኣቶ ልኡል ዘውደ ብወገኑ “ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ምርግጋእ ከይኣረጋገጽካ ናብ ካልእ ምቑማት ኣገዳስነት የብሉን” ነቲ ብወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ንዝበሎ ኣመልኪቱ፡ “ከምዚ ዓይነት ዘረባ ኣብዚ እዋን ግዚኡ ኣይኮነን” ብምባል “እዚ ናይ ሓይሊ ጸብለልታ ረኺቡ ኣሎ ንብሎ ዘለና ሓይልታት ናይ ትግራይ፡ ናብ ኤርትራ ክኸይድ እየ ዝብል ጥሙሕ ወይ ከኣ ርእይቶ ወይ ሓሳብ ወይ ፕላን እንድሕ ኣለዎ ኮይኑ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ትግራይ ተፈጸሙ ዘሎ እዩ ኣብ ኤርትራ ንክፍጸም ንጽበ ዘለና ማለት ኢዩ። ከምኡ እንድሕሪ ኮይኑ ድማ ጌጋ ብጌጋ ምእራም ማለት ኢዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ኣቶ ልኡል “እቲ ኣብ ጎድኒ ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፉ ዝጸነሐ ኤርትራዊ እቶም ሓይልታት ነቲ ረኺቦሞ ዘለው ዓወት ንክዕቕቡ ኣብ ጎድኖም ክቅጽል ተኾይኑ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ምንባብ ኣገዳስነት ኣለዎ። ከም ደለይቲ ፍትሒ መጠን ኩነታት ሃገርና ኣብ ምንታይ ኣሎ ምርኣይ ከድልየና ኢዩ። ናብ ውሽጢ ዓዲ ኣቲኻ ሕነ ክፍዲ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ብተመሳሳሊ ስጉምቲ ከተስተኻኽሎ፡ ክሳብ ክንድኡ ዝኣክል ጌጋ ብመረሕነት ትግራይ ክፍጸም እዩ ዝብል እምነት የብለይን። ኤርትራዊ ፍታሕ፡ብኤርትራዊ ክመጽእ ክትሕግዝ ሓደ ኣማራጺ እዩ፡ ካብኡ ዝሓለፈ ኣማራጺ ስጉምቲ ክትወስድ እንድሕሪ ኮይኑ ግን ጌጋ ቅማረ እዩ” ዝብል እምነት ከምዘለዎ እቲ ኣቦ ወንበር ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣስሚሩሉ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ዘድሊ እንተኾይኑ እቲ ኲናት ናብ ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ክቕጽል ምዃኑ ንሮይቶርስ ምግላጹ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles