ትማሊ 15 ሚያዝያ ኣብ ዝተሰላሰለ ብስም ኤልሚል ዝተጸወዐ ሓሙሻይ መድረኽ ዙር ቱርኪ፡ ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ምስ ደቂ ጋንትኡ ክመርሕ ዝወዓለ፡ መርሃዊ ቁዱስ ንኡድ ጸወታ ብምርኣይ፡ ሻዱሻይ ደረጃ ሒዙ ዛዚሙ።
ብመርሃዊ ቁዱስ ካብ ቀዳማይ ብ 28 ሰከንድ ብምድንጓይ፡ ብውህሉል ግዜ 5ይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።
ኣብዚ ስጳኛዊ ኢማኑኤል ድያዝ ዝተዓወተሉ ጸወታ፡ ዝሰፍሐ ዓቀበት ዝነበሮ ኮይኑ ንተጻወቲ ኣዝዩ ፈታኒ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ምሕኳር ዓቀበት ጽቡቅ ክእለት ዘለዎ መርሃዊ ቁዱስ፡ ኣብዚ ጸወታ ክዕወቱ ግምት ካብ ዝተገብረሎም ተጻወቲ ምንባሩ ይፍለጥ። መርሃዊ ቁዱስ ድሕሪ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ጋንታ ጽቡቅ ዝኾነ ስራሕ ሰሪሓያ፡ ነታ ናይ መወዳእታ መጥቃዕቲ ከቅልበላ ኣይክኣልኩን፡ ኣዝዩ ከቢድ ጸወታን ምሕኳርን ኔሩ፡ ግን ቃልሰይ ክዕቅብየ” ክብል ተዛሪቡ።
ካብ 11 ሚያዝያ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ዙር ቱርኪ መርሃዊ ቁዱስ ምስ ክለብ ኣስታና ኮይኑ ይጻወት ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጋንእትኡ ብውህሉል ነጥቢ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ።
መርሃዊ ቁዱስ ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ኣንጸባራቂ ዓወት ከምዝግብ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ፡ ኣብ 2019 ኣብ ዝነበረ ዙር ቱርኪ ብውህሉል ነጥቢ 3ይ ደረጃ ሒዙ ምዝዛሙ ይፍለጥ።