ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት ኣብ ዘውጽኣሉ፡ እስራኤል ንእትክተሎ ናይ ኢሚግረሽን ፖሊሲ ከምዝነቀፈት፡ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ዘይመንግስታዊ ትካል ሆትላይን ሎሚ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ፌስቡኩ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ሓቢሩ።
ኣሜርካ ኣብቲ ሰፊሕ ዝኾነ ጸብጻብ፡ ንጉዳያት ኢምግረሽን እስራኤል ዝነቐፈትሉ ቀንዲ፡ እስራኤል ንዝፈረመቶ ውዕል ምቅባል ሓተቲ ዑቅባ ሸለል ብምባል ኣዝዩ ውሑድ ቁጽሪ ሓተቲ ዑቅባ፡ ናይ ዑቅባ ሕተቶም ጥራሕ ክትምልስ ምኽኣላን፡ ብተወሳኺ መንግስቲ እስራኤል፡ ዝኾነ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝግበር ናይ ዑቅባ ሕቶ ዘይቅበል ምዃኑን፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR) ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ማሕቡስ ከይኣቱ ምኽልካላን ካልኦትን ዝብሉ ነጥብታት ምህላዎም እቲ ትካል ኣፍሊጡ።
እስራኤል ኣብ ሃገራ ኣትዮም ዝርከቡ ሓተቲ ዑቅባ ዘለዋ ኣተሓሕዛ ክትንቀፈሉ ዝጸንሐት ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሓተቲ ዑቅባ ክሳብ ሒጂ ከቢድ ሽግር የሕልፉ ምህላዎም ይፍለጥ። ኣስታት 23 ሽሕ ኤርትራውያን ካብዚ’ቶም ግዳይ ዝተፈላለየ ጸገማት ይኾኑ ከምዘለዉ ብዝተፈላለየ መገዲ ክሕብሩ ምጽንሖ ይዝከር።