ቀንዲ

ኤርትራዊ ሮቤል ተኽለሚካኤል ምስ ኢትዮጵያዊት ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ቡና ክጻወት ፈሪሙ

ሓለቃ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን፡ ኮኾብ ተጻዋታይ ሴካፋን ሮቤል ተኽለሚካኤል፡ ምስ ኢትዮጵያዊት ክለብ ቡና ክሳብ ሰነ 2022 ክጻወት ከምዝፈረመ፡ እታ ክለብ ኣብ ወግዓዊ ድሕረገጽ ናይ ፌስቡካ ኣብ ዘስፈርቶ ጽሑፍ ኣፍሊጣ።

ሮቤል ተኽለሚካኤል ኣብ ኤርትራ ምስ ክለብ ቀይሕ ባሕሪ ክጻወት ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ሴካፋ ጸወታ ኣዝዩ ብሉጽ ጸወታ ከምዘርኣየን፡ ብሉጽ ተጻዋታይ ተባሂሉ ከምዝተሓርየን ይፍለጥ።

Join the discussion

Keep comments factual, respectful and relevant. Required fields are marked *.