ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

ሱዳን ኣምበሳድራ ካብ ኢትዮጵያ ጸዊዓ 

ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ኣምበሳድራ ጀማል ሼኽ፡ ንምምኽኻር ብዝብል ምኽንያት ብሰንበት ከምዝጸውዓቶ ወሃቢ ቃላ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ንሮይተርስ ሓቢሩ። 

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚሩ ዝመጽእ ዘሎ፡ ጉዳይ ዶብ ዝመንቀሊኡ ግጭት ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ንመሬት ሱዳን ከምዝኣተወ ከምዝጠቀሰ ዝፍለጥ ኮይኑ፡  ኣምበሳድራ ካብ ኢትዮጵያ ጸዊዓቶ ዘሎ፡ ብዛዕባ እዚ ዝተጠቅሰ ድዩ ኣይኮነን ግን ክፍለጥ ኣይተኻእለን። 

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚራ ሱዳን ንነዊሕ ዓመታት ተጎቢጡ ጸኒሑ ዝበሎ መሬታ ከምዘምለሰት፡ ክትሕብር ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ኢትዮጵያ ወተሃደርዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ መሬተይ ኣትዮምኒ ክትብል ምኹናና ይዝከር። 

ሱዳን ኢትዮጵያን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ዘሰሓሓብ ናይ መሬት ጉዳይ ከምዝጸንሐን ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ