ሓሙሽተ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጥልያን ክሲ መስሪቶም 

ሓሙሽተ ኤርትራውያን ብ ሓገዝ ማሕበር ፍትሒ ንስደተኛታትን፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዓዲ ጥሊያንን፡ ስቪላዊ ክሲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጥልያን፡ ብሕታዊ ትካል እጉስቶ ኦፍ ስሾር፡ መስሪቶም። 

ብ ዕለት 12 ለካቲት ኣብ ዝተዘርግሐ ናይ ክሲ ጥርዓኖም፡ እቶም ስደተኛታት ብ ምትሕብባር መንግስቲ ጥልያንን ብ እጉስቶ ኦፍ ስሾ እትመሓደር መርከብ ኣሶ ቪንቶቶ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዕለት 2 ናይ 2018፡ ብ ሓይሊ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምዝተደፍኡን፡ ብሰንኪ እዚ ንማእሰርትን ዓመጽን ኣብ ሊብያ ከምዘቃልዖም ከምኡ’ውን መሰል ናይ ዕቕባ ምሕታት ከምዝተነፈጎምን ከም ዝጠጣሕሰን ገሊጾም። 

መንግስቲ ዓዲ ጥልያን ስደተኛታት ንምግታእ ብዝብል መደብ፡ ካብ ክሊ ማዩ ዝሓዞም ስደተኛታት ምስ ሓለዋ ባሕሪ ልብያን፡ ጉጅለታትን ብምስምማዕ ናብ ሊብያ ይመልስ ምንባሩ ብብዙሓት ተጣበቕቲ መሰል ስድተኛታት ክውቀስ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት