back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ውሑዳት ኩላሶ ቀርኒ ኣፍሪቃ

እዚ መኣዲ ኣጋጣሚ ናይ ውራይ ስለዝቀየርክዎ፡ ማይ ሒዝኩም ምንባብ ተጀመርኩም ይምረጽ።

ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ቅድመ ምኽፋት መትረብ ስወጽ (Suez canal)  ብዘለዎ ንግዳውን ፖሎቲካውን ምትእስሳር፡ ሓደ ካብ ኣገደስትን ብዙሕ ኲናትን ሽግራት ከጋጥሞ ዝጸንሐ ዞባ እዩ። ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ግብጺ ክሳብ ምውዳእ መሬት ኬንያ ዘሎ ምስሓሓባትን ባእስን፡ ዳርጋ ዓመታዊ ዛንታ ናይቲ ዞባ ኮይኑ ንሰምዖ እዩ። ዳርጋ ኩለን ሃገራት ብጉዳይ ዶባትን፡ ካልኦት ጥጁኣት ምቅሕሓራትን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ደማዊ ኲናት ከካይዳ ዝጸንሓ ምኻነን ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ዛንታ እዩ። ድሕሪ ምኽታም ስልጣን ኣልበሽር ኣብ ሱዳን፡ ምምጻእ ሓድሽ ምምሕዳር ኣብ ኢትዮጵያን፡ ምፍርራም ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብዘን ሰለስተ ሃገራት ዝተራእየ ምዕባለታት ከይድታትን ብመልክዕ ኩላሶታት ሓሓንቲ ክብለኩም።

ሱዳን

ሱዳን ድሕሪ ዝተራእየ ንውልቀ መላኺ ካብ ስልጣኑ ዝኣሊ ሓያል ናይ ለውጢ ሰውራ፡ ሱዳን ናብ ዝሓሸ መድረኽ ክትሰጋገር ክትክእልያ ዝብል ተስፋ ኡኳ እንተነበረ፡ ኣትያቶ ዝነበረት መድረኽ ቁጠባን ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ውድቀትን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ እቲ ዝተባህገ ለውጢ ክርአ ኣይተኻእለን። ብካልእ ወገን ነቲ ለውጢ ከምፍጥነቱ ከይጓዓዝ ሓሊኹ ዝሓዞ፡ ካብ ሰራዊት ኣብ ናይ ለውጢ መድረኽ ዝኣተወ ክፋል ስልጣናት እዩ ዝብል ርእይቶ ኣሎ፡፡ እዚ ርእይቶ ምስ እንርእዮ፡ ብመሰረት ውልቀ መላኺ ፈጢርዎ ዝነበረ ናይ ስልጣን ምክርማሽ፡ እዞም ኣብ ለውጢ መድረኽ ዝተጸንበሩ ወተሃደራውያን መራሕቲ፡ ኣብ ስልጣን እቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ክዓግቶም ዝኽእል ኣተሓሳስባ ክውንኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ይግመት።

ሱዳን ኣብዚ ናይ ለውጢ መድረኽ ክትሰርሓሎም ዝጸንሐት ብመዳይ ዲፕሎማስያዊ ዕዮ፡ ምስ ኣሜርካ ዝጸንሓ ተፈቲሑስ ድሮ ደሓን ዝኾነ ዝምድና መስሪተን ይርከባ። ብካልእ ወገን እስራኤል ምስ ሱዳን ትኣትዎ ዘላ መድረኽ ዝምድና ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ መድረኽ ምቅልቃል፡ ሓዳስ ወኪል ሓያላን ክትከውን ዘኽእላ ተባሂሉ ክግመት ይክኣል። ኣብ ሱዳን ሓደ ክሳብ ሒጂ ማሕንቆ ኮይኑ ዝርከብ፡ ኣብታ ሃገር ሰውራ ንክለዓል ዝለዓለ ድፍኢት ዝነበሮ ቁጠባዊ ሕውየት ክርአ ዘይምኽኣሉ እዩ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ጀሚሩ ኣብ ሱዳን ዝርአ ዘሎ ምልዕዓላት ድሮ ንመንግስቲ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩሉ ይርከብ። በዚ መሰረት ገለ ወገናት ዝሰማምዕሉ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ተርእዮ ዘላ ምትኹታኽ ካብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ንምህዳም ዝግበር ልሙድ ተግባር እዩ ክብሉ ከለዉ፡ ካልኦት ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ከቢድ መድረኽ ተሸሚማ ብምህላዋ፡ እቲ ንሱዳንን ኢትዮጵያን ንነዊሕ ዓመታት ከሰሓሕበን ዝጸንሐ መሬት፡ ሱዳን ሒጂ ዕድል ተጠቒማ ተምልሶ ከምዘላ ብምሕባር እዮም ርእይትኦም ዘቐምጡ።

ነዚ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ ዘሎ ቁሉውላው ቁጠባ ንምፍታሕ፡ ኢማራት ዓረብ፡ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ሓያል ዝኾነ ሓገዝ ኡኳ ክገብራ እንተጀመራ፡ ጌና ግን ከረጋግእ ዝኽእል መድረኽ ኣይተፈጠረን። በዚ መሰረት ኣብዚ ሰሙን’ዚ ዝተጣየሰ ሓድሽ ካቢነ ምኒስተራት ሱዳን፡ እታ ተፈራሒትን ክሳብ ሒጂ መፍትሒ ዘይተረኽባ ቦታ ሚኒስትሪ ቁጠባ፡ ሓደ ካብቶም ንተቓወምቲ ውድባት ዝመርሑ ኣባላት ተዋሂባ ትርከብ። እዛ ስልጣን ስለምንታይ ነቲ ሓደሽቲ ኣባላት መንግስቲ ተዋሂባ ዝብል፡ ገለ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ሰባት፡ ዝጸንሐ መንግስቲ እታ ተኣፋፊት ዝኾነት ቦታ ከምትሕጃ ንሕማቅ እዋንን፡ ከም መወንጀሊ ንሓደስቲ ኣባላትን፡ ክጥቀመላ ክብልዩ ሂብዎም ዘሎ ክብሉ ከለዉ ገለ ድማ፡ መንግስቲ ክደፍሮ ዘይክኣለ፡ ንለውጢ ካብ ዝመርሑ ኣካላት ነቲ ሓላፍነት ክወስድዎ ከምዝኽኣሉ ዘመልክት እዩ ይብሉ። ሱዳን ካልእ ዝዓበየ ሽግር ናይ ዓሌትን፡ ቀቢላዊ ምትፍናንን ኣብ ውሽጣ ክጎሃሃሩ ዝጽነሑ ስለዝኾኑ፡ ብፍላይ ምብራቓዊ ሱዳን በዚ ሽግር ከይሕመስ ዓቢ ስግኣት ከምዘለዋ ይሕበር።

ኢትዮጵያ

ኣብ መድረኽ ዲፕሎማስያዊ ዓለም ብደረጃ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራትን፡ ዕብይ ዝበለ ስም ዘለዋን ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሒጂ ዓቂባቶ ዝጸንሐት ክብሪ፡ ክትቅጽሎ ድያ ክፍንጀራ ኣብ ስግኣት ዘላ ሃገር እያ። ድሕሪ ምምጻእ ሓድሽ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣብታ ሃገር፡ ክኸዱ ዝጸንሑ ውሽጣዊ ምፍሕፋሓት መፍትሒ ክርከቦም ዓለም ተስፋ ኣብ ዘንብረትሉ ግዜ፡ ድሮ 3 ዓመት ከይመልአ እንሆ መድረኽ ጸወታ ዘይበሊ ህይወት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይና ንረኽባ።
እዚ ብ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ ዝምራሕ ናይ ለውጢ መንግስቲ ድሮ ምስቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ፡ ገዛኢ ሰልፊ ህወሓት፡ ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ኣብ ምጉርፋጥ ምስ ምእታዉ ስግኣት ኢትዮጵያ እንዓበየን፡ ቑስላ እናተጋደደን መጺኡ ንረኽቦ።
ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሓይሊ ምስ ኤርትራ ዝነበሮ ሽግርን፡ ብመንጽር ፖሎቲካዊ ኣረኣእያ ብወገን ኤርትራን ዝርከብ ስርዓት ህግደፍን፡ ህወሓትን ኣብ ነንሕድሕዶም ከርእይዎ ዝጸንሑ ካብ ስልጣን ናይ ምውጋድ ዕዮታት ኣርኪቡ፡ ህወሓት ካብ ማእከላይ መንግስቲ ተኣልዮም ነቲ ጉዳይ ዝያዳ ነዳዲ ዝወሰኸሉ ምኻኑ ብዙሓት ይሰማምዑ።

እዚ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ካብ ጽልዋ እቲ ክመርሕ ዝጸንሐ ሓይሊ ንክወጽእ ዝወሰዶ ኣገባብ፡ ዝፈጠሮ ረጽሚ እንበኣር ጉዳይ ኮሮና ዝፈጠሮ ምስንኻል ናይ ምርጫ ወሲኹ ናብ ኲናትን ዕንወትን ኣምሪሑ።  ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝተሓስበ ምርጫ ድሕሪ ምስግጋሩ፡ ክልል ትግራይ ነቲ ምርጫ ከምዘየሰጋግሮ ብምሕባር ብቐጥታ ኣብ ምፍጣጥ ምስ ማእከላይ መንግስቲ እዩ ኣትዩ። እዚ ነቲ ድሒሩ ዝተፈጥረ ኲናት ጠንቂ ክኸውን ከሎ፡ ናይቲ ክኸይድ ዝጸንሐ ጉሩፍጥ፡ ላምባ ነስኒሱ ንኽቃጸል ዝሓገዘ እዩ ክበሃል ይክኣል።

03 ሕዳር መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውሳዱ፡ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ባይቶ እታ ሃገር ዘጽደቆ “ምኽባር ሕጊ” ዝሰመዮ፡ ወተሃደራዊ ስርሒት ጀሚሩስ እንሆ ሳልሳይ ወርሑ ኣቑጺሩ ይርከብ። እዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝተራእዩ ከበድቲ ዕንወታት ኲናት ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመት ክኸውን ዝኽእል ምኻኑ ክግመት እንከሎ፡ ካብ ሓበሬታን ሜድያን ዓለም ተሸፊኑ ብምህላዉ፡ ወሪዱ ዝኽእል ዕንወት ኣዝዩ ኣሰንባዲ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብ ሓጸርቲ ሰሙናት ንከተማታት ዝተቆጻጸረ ማእከላይ መንግስቲ፡ ንገለ ክፋል ፉሉይ ሓይሊ ትግራይን ምልሻን ኣብ ክቆጻጸሮ ዘይክእል ደረጃ ብምህላዉ እንሆ ዓለም ሻቁሎታ ዓሪጉ ድሮ ጸቅጥታት ኣብ ልዕሊ ማእከላይ መንግስቲ ትጅምር:: እዚ ዝርአ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጸቅጥታት ነቲ ንነዊሕ ዓመትታት ኢትዮጵያ ዓቒባቶ ዝጸንሐት ዲፕሎማስያዊ መድረኽ ከይትኾስሮ ኣዝዩ ዘስግእ ምኻኑ ብዙሓት የገንዝቡ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ካብ ነዊሕ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዓቢ ክብሪ ዝነበሮ መንግስቲ ኣሜርካ ድሮ ምስ ሱዳን ዝፈጥሮ ዘሎ ዝምድና፡ ንኢትዮጵያ ካብተን ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ሃገራት ካብ ምኻን ክዓግታ ከምዝኽእል ይጥርጠር፡፡

ብካልእ ወገን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣ ተፈጢሩ ዝርከብ ኲናት፡ ኣብ ኲናት ኣትዮም ዝርከቡ ክልል ትግራይ፡ ንነብሶም ከም ኢትዮጵያውያን ክርእይዋ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ኣብ ትግራይ ንነዊሕ ክቅጽል ዝኽእል ኲናት ክህሉ ከምዝኽእል ይስጋእ። እዚ ማለት ተወለድቲ እቲ ክልል ዝኾኑ ትግረዎት ምምስራት ሃገረ ትግራይ ዝብል ቃልሲ ክቅጽልዎ ዘለዎ ተኽእሎ ልዑል ብሙዃኑ፡ ዝያዳ ንኢትዮጵያ ኣብ ሓድሽ ቅልውላው ክሸማ ምኻኑ ይሕበር። ኣብ ኩሉ መድረኻት ዓቢ ሽግራት ዘጋጥማ ዘሎ ኢትዮጵያ ነዚ ትሓልፎ ዘላ መድረኽ ክትሰግሮ ተኽኢላ ከም ተኣምር ክጽብጸብ ዝኽእል እዩ፡ ኣብ ብዙሓት ክፋላት ናይታ ሃገር ተወሊዑ ዝርከብ ግጭታት፡ ሓሓሊፎም ጉድኣት የውርዱ ምስ ምህላዎም፡ እታ ሃገር ናብ ፍጹም ምሁማኽ ውሽጣዊ ኲናት ከይትሰጋገር ይስጋእ።

ኤርትራ

ብወገን ኤርትራ ዝረኣዩ ምዕበለታት እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ተዘይኮይኑ፡ ኣብ ውሽጣ እንሆ ከምቀደማ እተሕለምልም ዝጸልመተት ኮይናያ ትቅጽል ዘላ። ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ኢዱ ከምዘእተወ ዝተሓበረ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብቲ ኲናት ክወጽእ ብዙሓት ሃገራት ክጽውዖኦ ዝጸንሓ እዩ። ድሕሪ እቲ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝገበሮ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ሰራዊት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ተበጊሶም ነቲ መጥቃዕቲ ስለዘካየድዎ ካብ ምጅማሩ፡ ህወሓት ኢድ ኣታውነት ህግደፍ ክሕብር ምጅማሩ ይዝከር፡ እንተኾነ ኣብ ሓጺር መዓልታት፡ ህወሓት ናብ ኤርትራ (ኣስመራን ባጽዕን) መጥቃዕቲ ሚሳይል ከምዝገበረ ድሕሪ ምሕባሩ ብዙሓት ሃገራት ነቲ መጥቃዕቲ ኩኹንንኦ ተራእየን እየን፡፡ ካብ ዲፕሎማስስያዊ ዓለምን፡ ሓበሬታን ኣዝዩ ማሕዲጉ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ኣብዚ ኲናት ኢዱ ካብ ምእታው ክቑጠብ ዘይክእል ምኻኑ፡ ቅድሚ ኲናት ክትግምቶ ትኽእል ሓቂ እዩ። እዚ ማለት ክልቲኦም ውድባት ህግደፍን ህወሓትን ኣብ ነንሕድሕዶም ካከይድዎ ዝጸንሑ ንምውግጋድ ዝግበር ቃልሲ ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕ ክጽዕሩ ምኻኖም ንዝግንዘቦ ብሩህ እዩ ኔሩ።

ኤርትራ ኣብ መድረኻዊ ዓለም ዝነበራ ዝኾነ ዓይነት ስራሕ ስለዘይነበረ፡ ሓደ ክህልዋ ዝኽእል ምዕባለታት ወተሃደራዊ ጽምዶታት ምስ ወተሃደርዊ ክንፊ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ፡ ነዚ ክብ ንምባል ኣብ ዓሰብ ወተሃደርዊ መዓስከር ኣቚማ ትርከብ ኢማራት ዓረብ፡ ኩሉ ዝነብረ ንብረት ንኤርትራ ገዲፋትላ ትወጽእ ኣላ ዝብል ሓበሬታ ስለዘሎ፡ ምስ ኢትዮጵያ ወተሃድራዊ መዓስከር ከቁማ ይኽእላየን ዝብል ግምት ኣሎ። እዚ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ክህሉ ዝኽእል ወጥሪ ንምቁጽጻር ክኸውን ዝኽእል ከሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርትራን ዝህሉ ናይ ስልጣን ሓለዋ ድማ ክጥቀሙልዮም ዝብል ግምት ኣሎ።

ኣብ መደምደምታ ሱዳን ትኣትዎ ዘላ ቁጠባዊ ቅልውላውን ምሕማስን፡ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ትግራይ ኣቢላ ትኸስሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊ መድረኽን፡ ኣብ ውሽጣ ዝፍጠር ዘሎ ዓቢ ስግኣትን፡ ምትፍናን ሓጽቢ ግድብ ኣባይን ተወሲኽዎ ኣብዘን ሰለስተ ሃገራት ዓቢ ወጥርን ሽግራት ክርአ ይኽእልዩ ዝብል ስግኣት ሰፊኑ ይርከብ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles