ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣብቲ ብ4 ሕዳር 2020 ዝጀመረ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ትግራይ ዘውርድዎ ንዘለዉ ፍኑው ቅትለት፡ ምክልባት፡ ስደት፡ ዓጸቦን ስነ-ኣእምራዊ በሰላን ኣትሪርና ንዅንን፣ የኸትሎ ብዘሎ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ከኣ ኣዚና ንጕሂን።
ብትእዛዝ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን መሻርኽቱን ጥራይ፡ ኣብዚ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣትዩ ኣሎ። ኣንጻር’ቲ ብኤርትራውያን ወተደሃደራት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ንቕትለት፡ ራስያ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ምብራስ ቅርስታትን ምጕስቛልን ዝዕድም ኵነት ንጹር መርገጺ ንኽንወስድ መሰረታዊ ሰብኣዊን ዜጋዊን ሓላፍነት ኣሎና። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ድምጹ ከስምዓሉ ኣብ ዘይክእል ኵነት ብምህላዉ፡ ንነብሲናን ተዓቢሱ ንዘሎ ህዝቢናን ወኪልና፤
• ነዚ ብውልቃዊ ቂም ተደፋፊኡ፡ ብመገዲ ዝተስገደዱ ወተሃደራት ኣቢሉ፡ ሞትን መብረስቲን ዘስዕብ ዘሎ መሪሕነት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ጕጅለኡን ኣትሪርና ንዅንን።
• ዕላማ ፕረዚደንት ኢሳይያስን መሻርኽቱን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምስ መዳውብቱ ህዝቢ ትግራይ ንወለዶታት ዝሰጋገር ጸልኢ ንምትካል ምዃኑ ተገንዚብና፣ ንጽልኢ ብፍቕሪ ጥራይ ክንስዕሮ ስለ እንኽእል፡ ምስ ኩሉ ምረቱ፡ ፍቕርናን ኣኽብሮትናን ንሓው ህዝቢ ትግራይ ንገልጽ።
• ብዛዕባ መንነት ናይቶም ግፍዒ ፈጺሞም ዝበሃሉ ኤርትራውያን ወገናት ክብተን ንዝጀመረ፡ ተንኮልን ምምቕቓልን ዝጣቋኡ ኣናቛቲ ሓበሬታታት ብትሪ ንነጽጎን ንዅንኖን። እቶም ንጥፍኣት ዝተሓርዩ ወተሃደራት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ብሄሮም ብዘየገድስ) ንርእሶም ግዳይ’ቲ ዓማጺ ስርዓት ኰይኖም፡ ቀንዲ ተሓተትቲ ናይቲ ኣብ ልዕሊኦምን ብመገዶምን ዝወርድ ዘሎ በደላት ላዕለዎት ኣዘዝቶምን ስርዓት ኣስመራን ኢዮም።
• ብዙሓት መንግስታት ዓለም ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ እናተቓለሱ፡ ብኣንጻሩ ግን መሪሕነት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ዜጋታት ኣብ ኲናት ብምእታው፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ብጥይት ዝቝለብ ዘሎ መንእሰይ፡ ንተደራቢ ህልቂት ለበዳ ባይታ ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ግርንቢጥነቱ ድማ ኣብ ኤርትራ ካብ ሚያዝያ 2020 ኣትሒዙ ዝተረረ ዕጽዋ ኣዚዙ ምህላዉ’ዩ። ነዚ ኣዝዩ ዘይሓላፍነታዊ፡ ኣምሰሉነትን ንዜጋታትካ ንለበዳ ምቅላዕን ኣትሪርና ንዅንን።
• ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጥፉን ብዘይ ቅድመ-ኵነትን ካብ ትግራይ፣ ከምኡ’ውን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ክወጽእ ንጽውዕ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ውድባት ድማ፡ ንመሪሕነት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጉጅለ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኲናት ደው ንኸብሉ ጸቕጢ ክገብሩ ንምሕጸን።
• ነቲ ብሰንኪ ቅልውላው ኲናት ዝሰዓበ ጥሜትን፡ ብሕጽረት መሰረታዊ ቀረባትን ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ትግራይን፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ክህብ መታን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ክገብር ንምሕጸን።
• ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ግፍዒ ምስ ገበናት ኲናት፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምኡ’ውን ንሓያሎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈረማሎም ኣህጉራውያን ውዕላት ዝጥሕስ ስለ ዝዀነ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ባይቶ ጸጥታ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ምምሕዳር ፕረሲደንት ጆ ባይደንን ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራትን፡ ኣብቲ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ክልል ትግራይ፡ ናጻን ዘይሻራዊን ኣካል መዚዙ ክምርምሮን፡ ንፈጸምቲ በደል ናብ ዝግበኦም ፍርዳዊ መስርሕ ክመርሕን ንጽውዕ።
ፈረምቲ
1. Jemal Ali Khelil, Canada
2. Jemila Seid Hamid, Canada
3. Kassahun Checole, USA
4. Kebreaab Teklegiorgis, USA
5. Kesete Haregot, USA
6. Khedijah Ali Mohammed-Nur, UK
7. Kheiria Sheriff Adem, Canada
8. Meron Estefanos, Sweden
9. Mesfin Ahferom, UK
10. Michael Teckle, Canada
11. Mohamed Kheir Omer, Norway
12. Mussie Tesfagiorgis, Canada
13. Nazareth Amlesom Kifle, Norway
14. Netsenat Berhane, USA
15. Omar Huruy, USA
16. Paulos Tefagiorgis, USA/Canada
17. Rahel Weldu, USA
18. Saba Tesfayohannes Kidane, USA
19. Sabine Mohamed, Germany
20. Saleh “Gadi” Johar, USA
21. Saleh Younis, USA
22. Sarah Ogbay, UK
23. Selam Kidane, UK
24. Simon Y Aman, USA
25. Teclesenbet Teclai, Germany
26. Tedros Amanuel, Sweden
27. Tekle Melekin, Sweden
28. Tesfai “Degiga” Weldemichael, USA
29. Tewolde Mehari, Canada
30. Timnet Gedar, USA
31. Tomas Solomon, USA
32. Tsigabu Asmelash, USA
33. Tsigheyohannes Kidane, Netherlands
34. Uoldelul Chelati Dirar, Italy
35. Woldu T. Debessai, Canada
36. Yassin Abrahim, USA
37. Yohannes Haile, Canada
38. Yohannes Tseggay Berhe, UK
39. Yonatan T. Tewelde, USA
40. Yordanos Habtemariam, USA
41. Abdalla Adem Omer, UK
42. Abeba Baatai, USA
43. Abraham T. Zere, USA
44. Ahmed Saleh Al Qaisi, Yemen
45. Ahmed Youssouf Mohamed, Canada
46. Aklil Hailu, USA
47. Almaz Zerai, Switzerland/Germany
48. Amal Saleh, UK
49. Amanuel Mehreteab, USA
50. Araya Debessay, USA
51. Arhe Hamednaca, Sweden
52. Asghedet Mehreteab, USA
53. Ashebir Jacob, USA
54. Assefaw Tekeste, USA
55. Awet T. Weldemichael, USA/Canada
56. Ayah Said, USA
57. Bereket Habte Selassie, USA
58. Berhan Ahmed, Australia
59. Binega Adhanom Markos, Canada
60. Chefena Hailemariam, UK
61. Daniel Mehari, UK
62. Dawit Gebremeskel, USA
63. Dawit Mogos, Canada
64. Efrem Yohannes, USA
65. Elias Habte-Selassie, Kenya
66. Elsa Tekle, USA
67. Eseyas S Tsehaye, USA
68.Feruz Kaissey, UK
69. Freweini Ghebresadick, Germany
70. Gebremedhin Yohannes, USA
71. Ghirmai Negash, USA
72. Habret Berhe, USA
73. Habteab B. Feseha, USA
74. Habteab Yemane, Switzerland
75. Habtom Habte, USA
76. Haddish Tesfayohannes Hagos, USA
77. Haikel Negash, USA
78. Haile Debas, USA
79. Hailemichael Yosief, USA
80. Hana Abdurahman, USA
81. Helen Kidan, UK
28/01/2021
No war in Tigray. Free tigray