ወሃቢ ቃል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜርካ (State Department) ንኣሾሾይትድ ፕረስ ብመገዲ ኢመይል፡ ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ትግራይ ክወጽእ ከምዘለዎ ሓቢሩ ክትብል ጠቂሳ። እቲ ወሃቢ ቃል ኣብ ኢመይሉ ካብ እሙናት ምንጭታት ዝምታ፡ ዓመጽ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ምክልባትን፡ ምግሃስ ሰብኣዊ ክብረትን በጺሑ ከምዘሎ ክንፈልጥ ክኢልና ኣሎና ክብል ሓቢሩ። ብተወሳኺ ሰራዊት ኤርትራ፡ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ስደተኛታት ከምዝመለሱ ዘረጋግጽ ጭብጢ ረኺቦም ከምዘለዉ ኣብሪሁ። ሓያሎ ሃገራትን፡ ኣህጉራውያን ውድባትን ኣብ ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ሽግራት ንምግታእ፡ መፍትሒ ክናደን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝኣትወሉ ኣገባብ ክትኣታቶን ክጠልቡ ምጽንሖም ይፍለጥ።
Related stories
ርእሰ ዓንቀጽ
አብይ አህመድ የፈረሙትን የሰላም ስምምነቶች ማክበር አለባቸው
ከዋሽንግተን እና ከለንደን እየተላለፈ ያለው መልዕክት ግልጽ ነው። የጎረቤት አገሮች ሉዓላዊነት መከበር አለበት፣ የተፈረሙ ስምምነቶች ተግባራዊ መደረግ አለባቸው፣…
By SETIT
ቀርኒ ኣፍሪቃ
መዘክር ሓበሬታ፡ ኣብ ዝምድናታት ኤርትራን ኢትዮጵያን
ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ…
By SETIT
ርእይቶ
ተሓቢኡ ዝነበረ ሓሶት ካብ ተጋህደ፡ ተሰቲሩ ዝጸንሐ ሓቂ ይውጻእ
ጥንታዊት ሃገር ኣቢሲንያን (Abyssinia) ንዕኣ ተኪኣ ኣብ መፋርቕ 20 ክፍለ-ዘመን ምዝዛም ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣፍሪቃ ዝተቐልቀለት ሃገረ ኢትዮጵያን፡…
By ዮሓንስ ዘርኣይ


