back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ናይ ዘይምክእኣል ባህሊ ምጥፋእ!

“ሓሳበይ ፡ ዉድበይ ፡ ማሕበረይ ፡ ሃይማኖተይ ፡ብሄረይ ”

ኣብዚ እዋን ኣብ ዞባና ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዉን ቁጠባዉን ነዉጺ ንህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተስፍኡ ኣብኒኑ ንሰንፈላል መጻኢ ሰጢሕዎ ይርከብ፡፡ ብቐደሙ’ዉን  ዉሑስ ሂወትን ርጉእ ዝምድናን ዘይነበሮ ህዝቢ እንሆ መራሕቱ ንመሬቱ ዓዉደ-ኩናት ብምግባር ንሓድሽ ቂምን ቅርሕንትን ዓዲመሞ ይርከቡ፡፡ ኣብዚ ዘሎ ህልዉ ኩነታት ብዛዕባ ሃገርና ክንዛረብ ኣድላዩ ኮይኑ ይስመዓኒ፡፡ ሎሚ ልዕሊ ማንም ግዜ ኣብ መንጎ ኤርትራዋዉያን ኣሕዋትን ኣሓትን ዓሚቕ ፍልልያት ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን ኮይኑ ውን ይስመዓኒ፡፡ መብዛትኡ ምንጪ ፍልልያትና ሕጽረት ፍልጠትን ዘይምክእኣልን ኮይኑ ይስምዓኒ ስለዝኾነ ነዛ እትስዕብ ጽሕፍቲ ክጽሕፍ ሓሲበ፡፡

ፖለቲካ ኣብ ፍልልያት ተሞርኪሱ ዝምስረት ወይ ዝካየድ መስርሕ እዩ፡፡ ግለሰባትን ህዝብታትን፡ መራሕትን ተመራሕትን፡ ድሌታት፡ ጥቕምታት፡ ነጻነት፡ ፍልጠት፡ ስልጣንን ዝመሳሰልዎም ነገራት መሰረት ዘለዎም ፍልልያት ኣለዉዎም፡፡ እዚ ዝግለጽ ድማ ብኣመለኻኽታ ሰባት ፡ ግደ ፡  ብመስመር ኣነባብራን እዩ፡፡ ህላወ ፍልልያት ሓደ ካብቲ ንፖለቲካ ክህሉ ዝገበረ ቀንዲ ምኽንያት’ዩ፡፡ ሓደ ሓደ ፍልልያት ዓይነታዊ ባህርይ ኣለዎም፡፡እዚ ድማ ተጻይ ወይ ዝጋጨዉ ምኻኖም እዩ፡፡ቀንዲ ተልእኾ ፖለቲካ ድማ ፍልልያት ብምክእኣል ወይ ብኣስገዳድ ናይ ሓባር ዕድል ምስፋሕ’ዩ፡፡

ሰለስተ መሰረታዉያን ዝኾኑ ኣተሓሕዛ ፍልልያት ከምዘለዉ ክንግምት ይከኣል፦እቲ ቀዳማይ ፍልልያት ናብ ሓደ ጨፍሊቕካ[ኣጥፊእካ] ምሓዝ ክኸዉን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ፍልልያት ብምግዛፍ ናይ ሓድነት ምንፈስ ምጥፋእ እዩ፡ ሳልሳይ ፍልልያት ብምክእኣል ጥዕና ዘለዎ ናይ ዕቤት መንገዲ ምምራጽ’ዩ፡፡ እቶም ቀዳሞት ክልተ ኣተሓሕዛ መንገድታት ጫፍ ጫፍ ዝሓዙ ብምኻኖም ብሞራላዉን ስነ ምግባራዉን መንገዲ ዝምረጹ ኣይኮኑን፡፡

ፖለቲካ ሃገርና ኣብ ምጭፍላቅን ምጥፋእን ዝተመስረተ ታሪኽ እዩ ፡ ጣልያን ኣብ ሃገርና መግዛእቱ ኣስፋሕፊሑ ንዓሰርተታት ዓመታት ክገዝእ ዘኽኣሎ ዝነበሮ ሓይልን ዓቕምን ጥራይ ኣይኮነን፡ኣብ መጀመርያ 1890 ታቓዉሞ ሃገራዉያን በርቲዑ ኣብ ዝነበረሉ ጣልያን ንኤርትራ ሓዲጉ ክወጽእ ወሲኑ ነበረ፡ እንተኾነ ኣብቲ እዋን ኤርትራ ዘመሓድር ዝነበረ ጣልያናዊ ኤርትራዉያን በበይኖም ተዘይኮይኑ ሓቢሮም ክቃለሱ ኣይክሉን እዮም እሞ ድሕሪ ግዜ ክዳኸሙ እዮም ብምባል ናብቶም ሓለፍቱ ደብዳቤ ጸሓፈ፡፡ ከምቲ ዝበሎ ድማ መኸተ ኤርትራውያን እናተዳኸመ ከደ እዚ ኣብ ታሪኽ ተሰኒዱ እንረኽቦ ሓቂ እዩ፡፡ ተሓኤ[ ጀብሃ] ‘’ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ዉድብ ንላዕሊ ክጸዉር ኣይክእልን ‘’ብምባል ኣዋጅ ኣዉጻኣ ከምዝነበረት ኣብ ሰነዳታ ክንረኽቦ ይከኣል፡፡ ስለዝኾነ ድማ ብረታዊ ቃልሲ ብኹናት ሕድሕድ ዝጨቀውን ብምጥፍፋእ ኣሕዋት ዝተሃንጸን ታሪኽ ኣሎና፡፡ እቲ ንጀብሃ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምስ ጎሮባብቲ ሓቢሩ ዝጨፍለቕ መሪሕነት እንሆ በይኑ ገባርን ሓዳግን ንሱ መሓርን ቀታልን ኮይኑ ንሃገር ይመርሕ፡፡ ፖለቲካ ሃገርና ነቲ ሓደ ጨፍሊቕካ ንስኻ ጎሊሕካ ምዉጻእ ስለ ዝኾነ እዚ ድማ ክዉንነት ስለ ዘይብሉ ንህዝብታት ዋጋ ኣኽፊልዎምን ገናዉን ከኽፍለናን እዩ፡፡ እዚ ትማሊ ዝነበረ ታሪኽ ሎሚዉን ኣሎ ጽባሕዉን ክህሉ’ዩ፡፡

ፍልልያት ዝነበረ ፡ ዘሎን ዝነብርን ሓቂ’ዩ፡፡ስለዝፈተናዮ ወይ ስለዝደለናዮ ዝህሉ ወይ ድማ ስለዘይደለናዮ ዝጠፍእ ኣይኮነን፡፡ሓቢሩ ምሳና ዝተፈጥረን ሓቢሩዉን ምሳና ዝህሉን’ዩ፡፡ ኣብ መንነት ደቅሰባት ክልተ መሰረታዉያን ነገራት ኣለዉ-ተፈጥሮን ታሪኽን ፡እቲ ቀዳማይ ዉጽኢት ስራሕ ደቅሰባት ዘይኮነ ካብ ተፈጥሮን ሕግን ዝርከብ’ዩ፡፡ካልኣይ ድማ ካብ ስራሕን ምንቅስቓስን ደቅሰባት ዝምንጩ ዉጽኢትን ዕቤትን እዩ፡፡ሰባት ብብዙሕ መንገዲ ክፈላለዩ ይኽእሉ ፡፡ ብኣካል ፡ ብቛንቛ ፡ ብሃይማኖት ፡ በነባብራ ፡ ብባህሊ ፡ብስነ-ሓሳብ[ኣተሓሳስባ] ብፍልጠት ፡ ብኽእለት፡ ብተዉህቦ ፡ ብባህሪ ፡ ብጠባይ ..ወዘተ ይፈላለዩ፡፡ሓደ ሓደ ፍልልያት ተፈጥሮኣዊ መሰረት ዘለዎም እዮም፡፡መብዛሕትኦም ግና ማሕበራዉን ታሪኻዉን እዮም፡፡ይኹን እንምበር መሰረቶም ብዘየገድስ ናይ ኣነ ይበልጽን ንስኻ ትንእሰን መንቀሊ ክኾኑ ኣክእሉን፡፡በገባብ ምስ ዝተሓዙ ናይ ሓቢርካ ምንባር ጥራይ ዘይኮነ ሓቢርካ ንኽትዓቢዉን ልዑል ጥቕሚ ኣለዎም፡፡

እንተኾነ ግና ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ብዝተፈጠሩ ርኢተ-ዓለም[ኣረኣእያ]  ሽግራት ዝተላዕለ ፍልልያትና ምንጪ ሓደጋ ኮይኖም ኣለዉ፡፡ዜጋታት ብናይ ኣመለኻኽታ ፍልልይ ጉጀለ ፈጢርና ኣሎና፡፡ ኣብቲ ሓደ ጉጅለ ዘሎ ወገን ‘’ናተይ ኣመለኻኽታ ፍጹም ሓቂ እዩ እቶም ካልኦት ጉጅለታት ዝኸተልዎ ሓሳብ ግና ፍጹም ጌጋ እዩ’’ ይብል፡፡ በቲ ካል ጉጅለ ዘለዉ ድማ ብተመሳሳሊ፡፡ እቲ ሓቂ ግና ብፍላይ ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት ደቅሰባት ‘’ ፍጹም ሓቂ ‘’ ዝበሃል የልቦን፡፡ነዚ ሓቂ ካብ ዘይምርዳእ  ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ንዘለዉ ሽግራት ብሓይሊ ክፈትሕ ካብ ምፍታን ዝተላዕለ ፡ሰባት ብጥይት ተቐቲሎም፡ተቕጥቂጦም ፡ ተኣሲሮም፡ ተሰዲዶም ፡ ኣብ ስደት እንነብር ዜጋታትዉን ፖለቲካዊ ሽግራትና ጥራይ ዘይኮነ ማሕበራዉን ቁጠባዉን ሽግራትና ክንፈትሕ ፍልልያትና ዓቂብና ሓቢርና ክንሰርሕ ኣይከኣልናን፡፡ ኣብዚ እዋን ድማ ብተፈጢሩ ዘሎ ህሉዉ ኩነታት ዞባና ልዕሊ ማንም ግዜ ፍልልያትና ዓሚቑን ኣብ ሓደገኛ ጥርዚ በጺሕና ከምዘሎና ኩላትና እንርድኦ እመስለኒ፡፡

ዓለም ብዝተፈላለዩ ነገራት ዝተሃነጸት እያ፡፡ ፍልልያት ኣብ ኩሉ ክፈለ ዓለም ኣሎ፡፡ ሰብኣዊ ፍጡር ወዲሰብ ኣካላዉን መንፈሳዉን ህይወት፡ ኣነባብራን ኣሰራርሓን ፡ርክባትን ጽምዶን ብፍልልይ ዝተሃነጸ እዩ፡፡ፍልልያት ኣብ ዉሽጥና ኣሎ ፡ ንሕናዉን ኣብ ፍልልያት ዉሽጢ ኢና፡ ብዘይ ፍልልያት ዝነበርናሉን እንነብረሉ ግዜን የልቦን፡ ፈጺሙዉን ክህሉ ኣይክእልን፡ ኣብ ሓደ ዉልቃዊ ሂወት ሰብ ፍልልያት ኣሎ፡፡ኣካላትና ጥራይ ከም ኣብነት ወሲድና ክንርኢ ይከኣል፡፡ብዝተፈላለዩ ክፍልታትን ነገራትን ዝተሃነጽና ኢና፡ፍልልያቶም ብተፈጥሮኦም ጥራይ ዘይኮነ ብስረሖምዉን እዮም፡፡ ኩሉ ኣካላትና ሰስርሑ ኣለዎ፡ ሓደ ነቲ ሓደ ተኪኡ ኣይሰርሕን ፡ ኮይኑ ግና ስራሕ እቲ ሓደ ኣካል ብዘይትሓደ ዋጋ የብሉን፡፡

ንኣብነት ኣዒንትና ካብ ኣእጋርና ብኣፈጣጥርኦም ኮነ ስርሖም ይፍለዩ፡፡ ብመንጽር ተፈጥሮ እንተርኢናዮም ክልቲኦም ብዓቐን ፡ ብትሕዝቶን ብቦታን ይፈላለዩ፡፡ ብመንጽር ስራሕ እንተርኢናዮም ድማ ናይ ዓይኒ ስራሕ እግሪ ክትሰርሖ ኣይከኣልን፡፡ብተመሳሳሊ እግሪዉን ናይ ዓይኒ ስራሕ ክትሰርሖ ኣይኮነላን፡፡ ይኹን እንበር ክልቲኦም ናይ ሓደ ኣካል ዝተፈላለዩ ክፍልታት እዮም፡፡ካልኦትዉን ከምኡ፡፡ኩሎም ገዛእ ርእሶም ኮይኖም ግደ ገዛእ ርእሱ የበርክት፡፡ ነፍሲ ወከፍ ክሰርሖ ዝግብኦ ይሰርሕ ዝሰርሕ ግና ምስ ካልኦት ብምኻን’ዩ፡፡ሓደ ብዘይትሓደ ብኣገባብ ክሰርሕ ኣይክእልን፡፡ ኩሉ ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ኣብ ሓደ ኣካል ብምኻን ዝተመደበሉ ዕዮ ምስ ዝዓዩ እዩ፡፡ብርግጽ እዚ ብተፈጥሮ ዝተወሃበ ፍልልያት’ዩ፡፡ እቲ ቀንዲ ጸገም ዘሎ ኣብ ኣእሙሮ ደቅሰባት ዝፍጠሩ ፍልልያት እዮም፡፡ ኣእሙሮ ወድሰብ ዝፈጥሮም ፍልልያት ካብ ክለተ ዓበይቲ ነገራት ዝብገሱ እዮም፡፡ እቲ ቀዳማይ ካብ ተፈጥሮ ዝመንጨዉ ሽግራት ጌጋ ትርጉም ብምሃብ ክኸዉን እንከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ብትኽክል ዘየለዉ ፍልልያት ብምፍጣር እዩ፡፡

ፍልልይ ክጽላእ ዘለዎ ነገር ዘይኮነ ክኽበር ዘለዎ’ዩ፡፡ክጽላእ ዘለዎ ነገር እንተልዩ ባዕሉ ፍልልይ ምጽላእ ክኸዉን ኣለዎ፡፡ሕጊ ተፈጥሮ ምስ እነስተዉዕል፡ ፍልልያት መብዛሕትኦም የቀራርቡ ፡ የፋትዉ ፡ የወሃህዱ ፡ የራብሑ ፡ ይኹልዑ…ወዘተ፡፡ስለዝኾኑ ናይ ሃብቲ፡ ጽባቐ፡ ሓይልን ናይ ወለዶ ምንጭን እዮም፡፡ፍልልያት ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ምግዛፍን ካብ ዝግባእ ንታሕቲ ምንኣስን እዞም ዝጠቐስናዮም ሰናይ ነገራት የስኡኑና፡፡ ፍልልያት ምዕባይን ምንኣስን ንግዚኡ ንዉሑዳት ሰባት ክጠቅም ይኽእል ይኸዉን፡፡ንህዝብን ሃገርን ከምኡዉን ንትዉልዲ ግና ኣየርብሕን፡፡

ኤርትራ ሃገርና ብብዝሒ ብሄራትን ሃይማኖትን ጥራይ ዘይኮነት ብፍልልይ ፖለቲካዊ ሰነ-ሓሳብ ዘለዉዋ ሃገር እያ፡፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግና ኣብዞም ዝሓለፉ ዘመናት ነዞም ፍልልያት በቲ ቅኑዕ መንገዲ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ክዉዕሉ ኣይከኣሉን በንጻሩ ኣብ ዉሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝነብሩ ፖለቲካዉያን ሓይልታትን ማሕበራትን ከምኡን ኣክቲቪስት በሃልቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራዉያን ንፍልልያት መጋበርያ እከይ ተግባራቶምን መኸሰብ ዉልቃዊ ረብሓኦምን ክገብርዎ ንዕዘብ ኣሎና፡፡መሪጽናን ፈቲናን ዘምጻናዮም ፍልልያት ክሳብ ዘይሃለዉ ንዕኦም ተቐቢልና ንዝሓሸ መጻኢ ሓቢርና ክንዓዩ ግዚኡ ሎሚ እዩ፡፡

ሰናይ ቅነ

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles