ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ኲናት ተቋሪጹ ዝጽንሐ፡ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣግለግሎት ን ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝቅጽለሉ መንገድን ሓገዝን ንምጋባርን፡ ዘድልዩ ነገራት ንምርዳእን ብ ዳይርክተር ጀነራል ትካል ምምሕድኣር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኣራ (ARRA)፡ ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ዝምራሕ ከምኡ’ውን ወኪል ተጸዋዒት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጲያ ዝኾነት፡ ኣን ኣለን አንኮንትረ፡ ብ ዕለት 23 ጥሪ 2021 ኣብ ማዓስከር ማይዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ተረኺቦም ነቲ ኩነታት ከምዝተዓዘብዎን፡ ምስ ወከልቲ ስደተኛታት ምይይጥ ከምዝገበሩን ተሓቢሩ።
ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ፡ ምስ ወከልቲ ስደተኛታት ምይይጥ ኣብ ዝገበሩሉ፡ እቶም ወከልቲ ናይ ጸጥታ ሽግር ከምዘለዎምን፡ ኣብ ምሃብ ኣገልግሎት ክግበሩ ዝግበኦም ምምሕያሻት ክገልጽሎም ከለዉ፡ እቶም ሓለፍቲ ን ውሕስነት ናይ ጸጥታን ሰላምን፡ ኣብ’ቲ መዓስከርን ከባቢኡን ንክህሉ ምስ ኩሎም ኣካላት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝነጥፉ ኣካላት ብምትሕብባር ኩሉ ዓቅሞም ከምዝገብሩ ቃል ከምዝኣተውሎም፡ እቲ መንጪ ሓበሬታ ይገልጽ።
ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ኣብ መዓስከር ክነብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያ፡ ስደተኛታት ብዙሕ ጉድኣት ከምዝወረደን፡ መሰረታዊ መዓልታዊ ጠለባት ህይወት ንምብጻሕ ኣብቲ ቦታ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ ይሕበር። ብተወሳኺ መዓስከራት ሽመልባን ሕንጻጽን፡ ብዘይሰብ ተሪፉ ከምዘሎ ካብ ዝተፈላለዩ ካብቲ መዓስከር ሃዲሞም ዝመጹ ስደተኛታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።