back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዓጸቦ የንጸላሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ

ኲናት ዘኸተሎ ምቅጻል ኣብ እቶት እዋን ዓጺድ ዝበጸሐ እኽሊ ተሰንዩ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ፡ ዓቢ ስግኣት ዓጸቦ ይፍጠር ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ብሰንኪ እቲ ካብ 4 ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ዝተዳኸሙ ብውጽኣት ዝመቱ ቆልዑ ከምዝተዓዘበ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ትካላት ንግዲ ከምዝተዘምተ ክሕብር ከሎ፡ ሰራሕተኛታት ግብረ-ሰናይ ድማ፡ “ወላ ሓንቲ ብሽኮቲ ሃቡና” ኢሎም ዝልሙኑ ሰባት ከምዝተዓዘቡ ኣፍሊጦም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዕዳጋ ዝካየድ ሸቀጥ ከምዘይርከብን እቲ ዝርካቡ ድማ ኣዝዩ ዝተወሰነ ከምዝኾነን ሓቢሩ። ብተወሳኺ ድማ ኣብያተ-ሕክምና ዓንየን ብሕጽረት መግቢ ንዝሳቐዩ ንምእላይ ኣጸጋሚ ከምዝኾነን ብምሕባር ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ናይቲ ክልል ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዘድልዮ ተገሊጹ።

ሰበ-ስልጣን ትግራይ ብህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ እንተዘይተረኺቡ፡ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብሰንኪ ዓጸቦ ክመቱ ክምዝኽእሉ ብ 8 ጥሪ ምስ ወከልቲ ግብረ-ሰናይ ማሕበራት ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ኣጠንቒቆም ክብል ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስስ ኣብ ጸብጻቡ ገሊጹ። ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅለውላው ንምግታእ ልዑል ጠለብ ህጹጽ ሓገዝ ኣብቲ ክልል ከምዘድሊ፡ ሓለቃ ኣሃዱ ህጹጽ ኣገልጉሎት ዶክቶራት ብዘይ ዶብ ናይ ዝተባህለ ግብረ-ሰናይ ማሕበር፡ ማሪ ካርመን ብተወሳኺ ሓቢራ።

ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ዘጋጥም ውግኣት፡ ኣብያ ገለ ገለ ሰበ-ስልጣንን፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምግዑዓዝ ይዕንቅፍ ከምዘሎን፡ ናብቶም ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ሓገዝ ንምብጻሕ ድማ ልዕሊ 2,000 ናይ ጽዕነት ተሽከርከርቲ ከምዘድልያን ውን ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ክልል ትግራይ ነቲ ኣቀዲሙ ብወራር ኣንበጣ ኣብ ስግኣት ዝነበረ ውሕስነት መግቢ፡ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ገዛኢ ሓይሊ ትግራይ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን፡ ማእከላይ መንግስትን ብዝተፈጥረ ወተሃደራዊ ጎንጺ ናብ ዝኸፍአ ኣንፈት የምርሕ ከምዘሎ ይግለጽ። ኣብዚ ኲናት ብተወሳኺ ብኣሸሓት ዝቁጸሩ ዜጋታት ከምዝተቀትሉን ልዕሊ 50,000 ኢትዮጵያውያን ካብቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ጽጥታ ጸገማት ሃዲሞም ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ከምዘለው ይሕበር።

ሰበ-ስልጣን ትግራይ፡ ቁጽሪ ዝተፈናቀሉ ልዕሊ 2 ሚልዮን ይበጽሕ ክብሉ ከለው፡ ውሕሃ ድማ ዛጊት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝበጸሖም ኣዝዮም ውሑዳት ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ከባቢታት ሽረ ካብ ዝተዓቀኑ ህጻናት፡ እቶም 10 ሚኢታዊት፡ ሕሱም ዋሕዲ መግቢ ኣጓንፍዎም ከምዘሎ ዘርኢ ሮቋሕታት ከምዝተረኽበ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንማዕከናት ዜና ዓለም ብስቱር ከምዘፍለጠ ተቃሊዑ።

ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ካብ 4 ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ መንጎ ነቲ ክልል ዘማሓድር ዝነበረ ህወሓትን ማእከላይ መንግስትን ዝተወለዐ ኲናት፡ ወላ’ኳ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ28 ሕዳር 2020 ነቲ ኲናት ብዓወት ዛዚመዮ እንተበለ፡ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ትግራይ ኣብ ሞንጎ ዑጡቃት ፍሉይ ሓይሊ ህወሓትን ሰራዊት መንግስቲ ኲናት ይካየድ ከምዘሎ ይፍለጥ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም “ገበነኛታት” ዝበሎም ገና ኣብ ምህዳን ከምዘሎ ክሕብር ከሎ፡ ዓበይቲ መራሕቲ ህወሓት ከምዝማራኸን ከምኡ ከምዝቀተለን ከፍልጥ ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት 20 ንዝበጽሑ ገዳይ መራሕቲ ህወሓት ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ምንባሮም መንግስታዊ ማዕከን ሓበሬታ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዜና ኣስፊረንኦ ከምዝነበራ ይዝከር። ደገፍቲ ህወሓት ብወገኖም፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ “ወራሪ ሓይሊ” ዝብልዎ ሰራዊት ሃገሮምን “ዘራዪ” ኢሎም ዝገልጽዎ ሰራዊት ኤርትራን ዓወታት ይጎናጸፉ ከምዘለዉ ይሕብሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ክልል ዘሎ ድንጋገ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅን፡ ዝኾነ ናይ ኢንተርነትን ስልክን ኣግለግሎት ብዘይምህላዉ፡ ጹጹይ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይርከብ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles