ባንክ ዓለም ክሳብ 2025 ዝጸንሕ ናይ ሓሙሽተ ቢልዮን ወፍሪ ኣብ ኤርትራ እትርከበን ኣብ ትሕተ ሳህለ-ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ክገብር ምዃኑ፡ ሮይቶርስ ንፕረዚደንት እቲ ማሕበር ዳቪድ ማልፕለስ ብምጥቃስ ገሊጻ።
እቲ ማሕበር ኣብ ምምዕባል ሕርሻ፡ ማይ፡ ሕብረተሰባዊ ምዕባለ፡ ውሕስነት መግቢ፡ መሰረተ ልምዓት፡ ምዕቃብ ኣከባቢ፡ ጸዓትን ዝውዕል ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ኤርትራ፡ ጫድ ፡ ኢትዮጵያ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ሱዳን፡ ጁብቲ፡ ማሊ፡ ሞሪታንያ፡ ኒጀር፡ ናይጀርያ፡ ሰኔጋልን ኣብ ዝመደብ ወፍሪ ክካየደልን ተመዲቡ ዘሎ ሃገራት ምዃነን ገሊጹ።
ባንክ ዓለም ኣብ ሳልሳይ ዓለም ንዝርከባ ሃገራት፡ ሓገዝን ወፍርን፡ ናይ ልቃሕ መደብን ክገብር ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እንተኾነ እዘን ሃገራት ብብዝሒ ልቃሕ ክዝቕብባን፡ ህዝበን ካብ ዝኸፍአ ድኽነት ክወጽእ ከምዘይተራእየ ይፍለጥ።
ብሰንኪ ዘይቡቁዕ ምሕደራን ብልሽውናን ትልለ ኣፍሪቃ፡ ካብዚ ማሕበር ዝርከብ ሓገዝ ዝበዝሐ ኮይኑ፡ ኣብ መዓላ ህዝቢ ከምዘይውዕል ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ምዃኑ ይሕበር።