back to top
ቀዳም 19 ሚያዝያ, 2025

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ተፈናቂሎም

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን፡ ነቲ ክልል ዘመሓድር ዝነበረ ህወሓትን ብ 4 ሕዳር ግጭት ድሕሪ ምውልዑ፤ ኣብቲ ክልል 2.2 ሚልዮን ሰባት፡ ካብ መረበቶም ከም ዝተፈናቀሉ ሰበ-ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጦም። ገብረመስቀል ካሳ ኣካል ናይቲ ብ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝተመዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ምስ መንግስታዊ ተሌቭዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ብ ሰሉስ ሓሙሽተ ጥሪ ሓቢሩ። እዚ ተዋሂቡ ዘሎ ኣሃዝ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሕበር ዝነበረ ልዕሊ ዕጽፊ ኮይኑ፤ ቅድሚ ሕጂ ምስቶም ናብ ሱዳን ዝተሰዱ ተደሚሮም 950,000 ከምዝተመዛበሉ እዩ ክሕበር ጸኒሑ። ብኻልእ ወገን ሓደ በዓል መዚ ኮሚሽን ምምሕዳር ሓደጋ ኢትዮጵያ፤ በቲ ኣባል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተዋህበ ናይ ዝተመዛበሉ ኢትዮጵያውያን ኣሃዝ ወግዓዊ ከምዘይኮነ ብምሕባር፤ ምኢትን ዓሰርተን ሽሕን ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ተመዛቢሎም ከም ዘለውን፤ 1.8 ሚልዮን ሰባት ትኹረት ከምዘድልዮምን ኣፍሊጡ። እቲ ብዓል ስልጣን ብተወሳኺ፤ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ካብቲ ዝበሃል ዘሎ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ኣሚቱ።

ብተመሳሳሊ ትካል ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰሉስ ሓሙሽተ ጥሪ ከምዝሓበሮ፡ ቁጽሪ ናብ ሱዳን ዝስደዱ ኢትዮጵያን ይቅጽል ከምዘሎን፡ ኣብ መጀመርታ ሒደት መዓልታት ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፡ ከባቢ ሸሞንተ ሚኢቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ከም ዝኣተዉ ኣፍሊጡ።  ብመሰረት ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ሓምሳን ሹዱሽተን ሽሕ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ጎንጺ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ምህላዎም ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,388ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles