ኣብ ኤርትራ ሓደ ሰብ ብኮሮና ከምዝሞተ ተሓቢሩ 

ኣብ ሕክምና ደቀምሓረ ክእለ ዝጸንሐ ወዲ 50 ዓመት፡ ብቫይረስ ኮቪድ-19 ተለኺፉ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝዓረፈ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍን፡ ናይ ሚኒስትሪ ዜና ምኻና ዝንገረላ ሻባይት ዳት ኮም መርበብ ሓበሬታን ኣፍሊጦም። 

እዚ ሕማም ካብ ዝኽሰት ኣትሒዙ ክሳብ ሒጂ ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ብዛዕባ በዚ ቫይረስ ተጠቂዖም ዝሞቱ ከምዝመቱ ዝኾነ ሓበሬታ ዘይጸንሐ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ብዝሒ ተለከፍትን ዝሞቱን ዝርከብ ሓበሬታ፡ ብመንግስታዊ ትካል ዜና ምስ ምኻኑ ንኽረጋገጽ ኣጸጋሚ ከምዘሎ ይፍለጥ። 

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ሓበሬታ ካብ ዝዕፍና ሃገራት ምኻና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ካብ ምንቅስቃስን ካልእን ምኽንያት ጌሩ ወጺኡ ዝጸንሐ ናይ ምንቅስቃስ ሓጹር ካብ ዘለዎ ከምዝኸረረ፡ 19 ታሕሳስ ኣብ ዝወጸ ሓበሬታ ከፍልጥ ከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣትይዎ ካብ ዘሎ ሕጽረት ናይ ቀረባት፡ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ ከውርዶ ከምዝኽእል ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት