ሰንበት 8 ታሕሳስ ኣብ ግዝኣት ሃዋይ ከተማ ሆኖሉሉ ኣብ ዝተኻየደ መበል 52 ውድድር ማራቶን ናይ’ታ ከተማ፡ ኤርትራዊ ኣትሌት ያማነ ሃይለስላሴ መዛዘሚ መስመር ዝሰገረ ወዲ ተባዕታይ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ። እዚ ካብ ማእከል ከተማ ሆኖሉሉ ክሳብ ካፒዮላኒ ፓርክ ዝዝርጋሕ ማራቶን፡ የማነ ሃይለስላሴ ን2 ሰዓትን 11 ደቓይቕን 59 ካልኢትን ዝድነቕ ግዜ ብምምዝጋብ ንኬንያዊ ሮቤል ኬርዮ ብ17 ካልኢት ብጸቢብ በሊጽዎ።
ወዲ 26 ዓመት የማንይ ሃይለስላሴ ድሕሪ’ቲ ውድድር ዝነበሮ ፍናን ብምግላጽ፡ “ጽብቕቲ ከተማ’ያ፡ ብጣዕሚ ደስ ዝብል። እቲ ትርኢትን ውቅያኖስን ደስ ዝብሉ ሰባትን ደስ ኢሉኒ።” ብዛዕባ’ቲ ዓወት ወሲኹ፡ “በዚ ዕድል’ዚ ሕጉስ ‘የ። አመስጊን ድማ። እዚ ገንዘብ እዚ ኣብ ኤርትራ ንዘለው ስድራይ ንምድጋፍ ክጥቀመሉ እየ።” ብማል ገሊጹ። የማነ ተዓዋቲ 25 ሽሕ ዶላር ገንዘባዊ ሽልማትን 15 ሽሕ ዶላር ዝግመት ወርቂ መዳልያን ድማ ንሽልማት ተቐቢሉ።