ኣብ የመን ወደብ ሑደይዳ፡ ካብ 2014 ኣትሒዛ ኣብ ደውታ ዘላ ገዛፍ ናይ ነዳዲ መመላለሲት መርከብ፡ ኣብዝኾነ ግዜ ካብኣ ልሒዂ ዝወጽእ ነዳዲ ንቀይሕ ባሕሪ ዘዳውባ ሃገራትን ማያዊ ኣከባብን ብከላ ከስዕብለን ከምዝኽእል ተገሊጹ።
ብመሰረት ላይቭ ሳይንስ (live science) ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እዛ “ሳፈር” እትበሃል፡ ብ የመናዊ ትካል ነዳዲ እትውነን፡ 362 ሚትሮ ንውሓት ዘለዋ ናይ ነዳዲ መርከብ, ኣብ 34 ገዘፍቲ ኣጋንእ ነዳዲ፡ ኣስታት 159 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ክትክዝን እትኽእል ምኻና ይሕብር።
ድሕነት እዛ መርከብ ንምውሓስ፡ ቀጻሊ ጽገና ክግበረላ ዝግባእ’ኳ እንተኾነ ካብ 2014 ጀሚሩ፡ ዝኾነ ይኹን ምክትታል ወይ ጽገና ከም ዘይተግብረላ እቲ ጹሑፍ ብተወሳኺ የብርህ።
እዛ ኣብ ወደብ ሑደይዳ ከም ኣንሳፋፊ መኽዘን ነዳዲ ተገልግል ከምዝነበረት ዝሕበር መርከብ፡ ኣብዝኾነ ግዜ ጸይራቶም ዘላ ኣጋንእ ምስ ዝትርብዑ፡ ሓደገኛ ዝኾነ ብከላ ማይን፡ ኣከባብን ክስዕብ ከምዝኽእል እታ መርበብ ሓበሬታ ወሲኻ ኣፍሊጣ።
እዚ ላሑኲ ምስ ዘጋጥም፡ ካብቲ ብ1989 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ኣላስካ፡ ብ ኤክሶን ቫልደዝ (Exxon Valdez) ትፍለጥ መርከብ ዘስዓበቶ ላሕዂ ነዳዲ ዝዓበየ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕበር። እቲ ጽሑፍ ወሲኹ፡ እዛ ኣብ የመን ወደብ ሑደይዳ ዘላ መርከብ ከተስዕቦ ትክእል ብከላ ክወዳደር ከሎ ካብ ናይ ኤክሶን ቫልደዝ፡ ብ 4 ዕጽፊ ክዓቢ ከምዝኽእል ተ ሓቢሩ።
እዚ ዝስጋእ ላሕዂ ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ፡ ኤርትራ እትርከበን፡ ቀይሕ ባሕሪ ንዘዋሰና ሃገራት፡ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኾነ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ የጠንቕቕ። ብመሰረት ኒው-ዮርክ ታይምስ ብ 24 ሕዳር ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ እታ መርከብ ትርከበሉ ከባብታት ዝቖጻጸሩ ዕጡቓት ሑቲ፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ መርከብ ጽገና ንክገብሩ ክፍቕዱሎም ከም ዝኽእሉ ብምሕባር፡ ይኹን እምበር እቲ ኣጋንእ ነዳዲ፡ ብናህሪ ይምሽምሽ ብምህላዉ፡ ዝኾነ ዓይነት ጽገና ንምግባር ግዜ ከምዝሓለፈ ገሊጻ። እዚ ሓደጋ ካብ ምግጣሙ ክውገድ እንተ ተኻኢሉ፡ ንቀጻሊ ብመስመር ቀይሕ ባሕሪ መዓልታዊ ሚልዮናት ኣጋንእ ነዳዲ ሒዘን ንዝንቀሳቀስ መራኽብ ዘመሓድር፡ ጥቡቕ ሕግታት ከምዘድሊ ክእላታት ይሕብሩ።
ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ቦታን ዝተፈላለየ ላሕዂ ነዳዲ ከጋጥም ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ንብረትን ኣከባብን ከቢድ ማህሰይቲ ከምዘውረደ ይሕበር። ገለ ካብቶም ዓበይቲ ላሕዂ ነዳዲ ተባሂሎም ዝግለጹ ክስተታት፡ ኣብ ወሽመጥ መክስኮ ብ 20 ሚያዝያ 2010 ዘጋጠመ፡ ከምኡ ድማ ብ 1991 ብሰንኪ ኲናት ወሽመጥ ፐርሽያ ዝሰዓበ ላሕዂ ነዳድን ብቀረባ ይጥቀስ። ልዕሊ ሓደ ሽሕ ገማግም ባሕሪ እትወንን ኤርትራ ካብተን ቀንዲ ዝጽለዋ ኮይና፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ግዳይ ክኸውን ከምዝኽእል ይሕበር።