ኤምባሲ ኣሜርካ ኣብ ኤርትራ ናይ ምንቅስቃስ ደረት ተጌሩ ከምዘሎ ሓቢሩ

ኤምባሲ ኣሜርካ ኣብ ኣስመራ፡ብመሰረት ዝበጽሓኒ ሓበሬታ ብምባል፡ ብትእዛዝ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ገለ ክፋላት ከተማ ኣስመራ፡ ነበርቲ ካብ ገዝኦም ከይወጹ ተሓቢሩ ከምዘሎ፡ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ ብምጽሓፍ ኣፍሊጡ። 

እቲ ኤምባሲ ዜጋታት ኣሜርካ ንዝኾኑ ሰባት ኣብ ጉዑዝኦም ጥንቃቀ ክገብሩን፡ ኣድላዪ ዝኾነ ነገር ተዘይኮይኑ፡ ካብ ምንቅስቃስ ክቑጠቡ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ሰቲት ናብ ኣስመራ ብምድዋል ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ዝፈተናሉ፡ ኣብ ኣስመራ ኣዝዩ ጹዑቕ ግፋ ከምዝወዓለ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ብቀጥታ ንኤርትራ ክጸልዋ ከምዝኽእል ክሕበር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ 14 ሕዳር 2020 ኣብ ኣስመራ ካብ ትግራይ ከምዝተወንጨፈ ዝተነግረሉ ሚሳይላት ዓሊቡ ምንባሩ ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት