ባህርዳር ንሳልሳይ ግዜ ብሮኬታት ተደብዲባ

ናብ ሎሚ  23 ሓዳር ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ከተማ ባህርዳር ንሳልሳይ ግዜ ሮኬታት ከምዝዓለበ ተሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ጀሚሩ ንመዓርፎ ነፈርቲ ባህርዳር ዕላማ ዝገበረ ደብዳብ ሮኬታት ተፈጺሙ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ዘውረዶ ጉድኣት ብነጻ ኣካል ክፍለጥ ኣይተኻእለን፡ እንተኾነ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ደብዳብ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ፎኪስ ጉዳኣት ከምዝበጽሖ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብዚ ሎሚ ለይቲ ተፈጺሙ ዝሓደረ ደብዳብ፡ ብዛዕባ ዘውረዶ ንዋታዊ ይኹን ሰብኣዊ ጉድኣት ክፍለጥ ኣይተኻእለን ዘሎ።
መንግስቲ ፌደራል ትማሊ 22 ሕዳር ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ መራሕቲ ኢዶም ንክህቡ ናይ 72 ሰዓታት ዕድል ሂበኹም ኣለኹ፡ እንተዘይኮይኑ ንምትሓዞም ዝግበር ስርሒት ከበድቲ ኣጽዋር ክንጥቀም ኢና ዝበሎ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ከቢድ ስምባደ ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ዛጊት ሳልሳይ ሰሙኑ ኣቑጺርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብዛዕባ ወሪዱ ክህሉ ዝኽእል ሞትን መቁሰልትን ዕንወትን ዓቢ ሻቁሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት