back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ተቃለስትን ኣባላትን ውድባት ኤርትራ ተኣሲሮም

ዓርቢ ንግሆ ሓይልታት ጸጥታ ኣቢይ ኣሕመድ  ነቶም መሰል ዑቕባ ረኺቦም ንነዊሕ ዓመታት ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዝጸንሑ ብዉሑዱ ትሽዓተ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣባላት ተቓወምቲ  ውድባት  ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዒት  ዝኾኑ ሰባት ከምዝኣሰሩ ከምዘረጋገጸት  መርበብ ዓዋተ ዶት ኮም ኣብ ገጻታ ኣብ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ ኣስፊራ ።
ገለ ካብቶም ኣስማት ተኣሲሮም ተወሲዶም ዘለዉ፡ መሓመድ ጃብር ኣሕመድ፣ መሓመድ ኑር ዑስማን፣ ዑስማን መሓመድ ዑመር፣ ዓሊ ኣርዳይቶ፣ ራሺድሑመድን፥ ገብርኣብ ኣርኣያን ዝተባህሉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣባላት ውድባት፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት፡ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ዓፋር ቀይሕ ባሕሪን ዴሞክራሲያዊ ምንቅምቃስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራን ከምዝኾኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እቶም ናይ ጸጥታ ኣባላት ቅድሚ እቲ ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ምውሳዶም፣ ኣብ ቤጽሕፈት ናይቶም ኣባላት ተፍትሽ ብምግባር፣ ኮምፒተራት፣ ተንቀሳቓሲ ኮምፒተራትን፣ ካልእ ንብረትን  ከምዝሃገርዎ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፣ ብተወሳኺ ብሰንኪ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩናት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ኩናት ዝካየደሉ ዘሎ ዞባ ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራትን፣ ዓድታትን ከተማታትን ትግራይ ክነብሩ ዝጸንሑ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ኩነታት ወዲቖም ከምዝርከቡ ይፍለጥ።
ልኡኻት ስርዓት ህግደፍ ኣብቲ ዝበዝሑ ተወለድቲ ብሄረ ኩናማ ዝርከቡሉ መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ ብምእታው፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ዓፊኖም ናብ ኤርትራ ከምዝወሰድዎም እዩ እቲ ዝወጸ ሓበሬታ ወሲኹ ዝገልጽ።
ብዘይካ’ዚ ሸሞንተ ወይ ትሽዓተ ዝኾኑ  ኣእዳዎም ብሓጺን ዝተሞቁሐን፡ ገጾም ዝተሸፈነን መንነቶም ዘይተፈለጡ እሱራት ዕለት ዓሰርተ ክልተ ሓሙስ፣ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ፣ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵያ ክኾኑ ብዝኽእሉ ወተሃደራውን ሲቪልን ክዳን ብዝለበሱ ኣስታት ሽዱሽተ ሰባት ተሰንዮም፡ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾነት ነፋሪት፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከምዝተራገፉን፣ ብኡ ንብኡ ኣብ ሚኒባስ ተጻዒኖም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝተወስዱን፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም ክትብል ሬድዮ ኤረና ኣብ ናይ ዕስራ ሕዳር  ዘውጽኣቶ ዜና ገሊጻ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ተኸቲሉ ምእሳር ብዙሓት ተዛረብቲ ትግርኛ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ከምዘጋጠመ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ መስርሕ ብዙሓት ኤርትራውያን ነበረቲ እተን ከተማታት ግዳያት ከምዝኾኑ እዩ ዝንገር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles