ባህርዳር ንካልኣይ ግዜ ብሮኬታት ተደብዲባ 

መንግስታዊ ትካል ሓበሬታ ኣምሓራ፡ ሎሚ ምሸት ኣብ ባህርዳር ሮኬታት ከምዝዓለበ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ፌስቡክ ናይቲ ትካል ገሊጹ። እቲ ኣብ ባህርዳር ዝዓለበ ሮኬታት ሰለስተ ምኻኑ ዝገለጸ፡ እቲ ማዕከን ሓበሬታ፡ ብዛዕባ ዘውረዶ ጉድኣት ዝተፈለጠ ነገር ከምዘየለ ኣፍሊጡ።  ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣስመራ፡ ባህርዳርን ጎንደርን ብሮኬታትን ሚሳይላትን ተደብዲበን ምንባረን ዝዝከር ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኣብ ሰብኣውን ንዋታውን ዘውረዶ ዕንወት ዝተረኽበ ጭቡጥ ሓበሬታ ክሳብ ሒጂ ክርከብ ኣይተኻእለን። 

ኢትዮጵያ ካልኣይ ሰሙኑ ኣቁጺሩ ዝርከብ ኲናት ካብ ትኣቱ፡ ብዙሕ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ኣጋጢሙ ክኸውን ከምዝኽእልዩ ዝግመት።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት