back to top
ቀዳም 19 ሚያዝያ, 2025

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ጻውዒት ሰላም ኣቕሪባ

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ሎሚ 20 ሓዳር 2020፡ ነቲ ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዝርከብ ኲናት፡ ኩሎም ወገናት እቲ ኲናት ደው ናይ ምባል ስራሕ ክሰርሑን፡ ሰለማዊ ፍታሕ ክርከቦን ጻውዒት ኣቕሪባ።
እቲ ብመገዲ  መርበብ ሓበሬታ ዝተጻሕፈ ናይ ሰላም ጻውዒት፡ “መልእኽቲ ሰላም” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ ኮይኑ፡ ኣገዳስነት ሰላምን፡ ኲናት ሳዕቤኑን ብዝምልከት ዘብርህ መንፈሳዊ ጽሑፍ ብምድላው፡ ኲናት ህይወት ወዲሰብን ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ “ሓቂ፡ ርትዒ/ፍትሒ፡ ፍቕርን፡ ናጽነትን ከምዝቅትል ዝርዝራዊ ብዝኾነ መገዲ እዮም ኣቕሪቦሞ።
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብዙሕ ግዜ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ሽግራትን፡ ምጉዳል ፍትሕን ዓመጽን ክትኩንን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ናይ ሰላም፡ ፍቅሪ፡ ፍትሕን ጻውዒት ከተቅርብ ከምዝጸንሐት ይዝከር።

Related Articles

ሳዓቡና

7,388ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles