ኣብ ከባቢታትን ዓድታትን ሰንዓፈ ኣዝዩ ጽዑቅ ደብዳብ ይካየድ ከምዘሎ ሎሚ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እዚ ብወገን ትግራይ ናብዘን ዓድታት ዝመጽእ ዘሎ ደብዳብ ኣብ መላእ ዓድታት ስመጃና፡ ዝግፈት፡ ምእሳር ኣርሓን ሕጓእናን ይዓልብ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ሎሚ 15 ሕዳር ኣብ ሰዓት 11:00 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ጀሚሩ፡ ብዙሕ ከቢድ ብረት ክዓልብ ከምዝኽኣለን፡ ህዝቢ ነብሱ ንምድሓን ኣብ በዓትታትን፡ ጎቦታትን፡ ተሓቢኡ ከምዝወዓለ ምንጭታትና ኣረዲኦም።
ቶኽሲ ደቅቅቲ ብረት ካብ ርሑቅ ዝስማዕ ምኻኑን፡ ካብ ከባቢ ዓድታት ሰንዓፈ ኣዝዩ ርሒቁ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ደብዳብ ከቢድ ብረት ግን ክሳብ ሒጂ ኣብዚ ከባቢታት ይሃርም ከምዘሎ ወሲኾም ሓቢሮም።
ዛጊት ብዛዕባ ዝወረደ ጉድኣት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘየለ፡ እንተኾነ እቲ ከቢድ ብረት ዝዓልቦ ዘሎ ግራት ሓረስቶት ኣብ ገለ ቦታታት ይቃጸል ከምዘሎ ምንጭታትና ወሲኾም ኣፍሊጦም።