ኣብ ኣስመራ ደብዳብ ሚሳይል ተኻይዱ 

ቅድሚ ሓደ ሰዓት ኣስመራ ሰለስተ ከብድቲ ደብዳብ ናይ ሚሳይል ከምዝዓለባ ሰቲት ናብ ኣስመራ ድዊልና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። 

 ክሳብ ሕጂ ድምጺ ናይ ሰለስተ ኣብ መርየት ዝዓለበ ሚሳይላት ክስማዕ ከሎ፡ ብርግጽ ኣበይ ከምዝዓለበ ብንጹር እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ኣብ ከባቢታት ሰንበል ዓለም ለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኤርትራ ከምዝኾነ ግን እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይእንፍት። 

 ቅድሚ ገለ ሰዓታት ኣፈኛ መንግስቲ ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ተሌቭዥን እታ ክልል ቀሪቡ፣ ኣስመራን ባጽዕን ኣብዚ ሳልስቲ ክንድብድብ ኢና ክብል ተዛሪቡ ምንባሩ ይፍለጥ። 

 ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ሰቲት ንዝስዕብ ምዕባለታት፣  ኣብ እዋኑ እናተኻታተልና ሰፊሕ ጸብጻብ እቲ ምድብዳብ ከነቅርበልኪም ምኻና ንሕብር።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት