ሰኑይ, ጥቅምቲ 27, 2025

ኣብ ኢትዮጵያ መንነት ዘተኮረ ፍተሻ:ኣብ ኤርትራውያን ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን 

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ሰብኣዊ መሰላትን ጸቒጣ እትነጥፍ  ውርይቲ እንግሊዛዊት ጋዜጠኛ ሳሊ ሃይደን፣ ገዛ ገዛ እንዳዘወርካ ትግራዎት ምፍታሽን መንነት ወረቐት ናይ ምሕታትን  ስርሓት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ከምዘሎ ዝመጻ ዘሎ ሓበሬታ  ከምዘረድእ ገሊጻ።  ብተወሳኺ  ነቶም ተመሳሳሊ ቋንቋ ተዛረብቲ ዝኾኑ ኣብታ ከተማ ዝቕመጡ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣስጋኢ ምዃኑን  ኣብ ናይ ትዊተር ገጻ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ገሊጻ። 

ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ምስ ዘሎ ኩነታት ተታሓሒዙ ፣እቲ ኣብ ልዕሊ መንነቶም ትግራዎት ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ዝካየድ ዘሎ ተፍትሽ ብዝለዓለ መልክዑ ይካየድ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ፖሊስ ኢትዮጵያ ፣ ናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ  ዝርከብ ቤ/ጽሕፈት ውድብ መግቢ ዓለም  ሕቡራት ሃገራት ብምኻድ፣ዝርዝር ኣስማት ተወለድቲ ብሄር ትግራይ ናይ ዝኾኑ ሰባት  ክወሃቦም ከምዝሓተቱ ውሽጣዊ ጸብጻባት ክፍሊ ጸጥታ እቲ ትካል ከምዝሕብር ሮይተርስ ኣብ ዘውጽኦ  ሓበሬታ ገሊጹ። 

በዚ ኣጋጣሚ ሰቲት፡ ንኩልኹም ኣብ ኢትዮጵያ እትነብሩ ኤርትራውያን ንድሕነት ነብስኹም ዘድሊ ጥንቃቐ ክትገብሩ ተታሓሳስብ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ